ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ ጉያ መሮር ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራጽ ውድድር በረኻ ተኻይዱ


ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ መሮር ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራጽ፡ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ዝተወደብ መበል 20 ዙር ሃገራዊ ውድድር ጉያ መሮር ዝሓለፈ ሰንበት 14 ጥሪ 2018 ኣብ ከባቢ መንደፈራ ተኻይዱ።

ኣብ’ቲ ናይ 10 ኪ.ሜ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ፊሊሞን ዓንደ ቀዳማይ ኮይኑ ኽዕወት ከሎ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ኣብ ናይ 8 ኪ.ሜ ርሕቐት ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ሳምሶን ኣማረ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ከሎ ኣብ ናይ 6 ኪ.ሜ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ኸአ ኮኾብ ገብሩ ተዓዊታ።

ኣብ ናይ 8 ኪ.ሜ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ሕውስዋስ ቅብብል በትሪ ካብ ዝተሳተፉ ኣትሌታት እቶም ዝሓሽ ጊዜ ዘመዝገቡ ተወዳደርቲ ኣብቲ ኣብ ኣልጀሪያ ዝካየድ ውድድር ንኤርትራ ወኪሎም ከምዝሳተፉ ሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG