ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ጁባ ምስ ባን ኪ ሙን ተራኺቦም፡ ምስ ከሰስትና `ገጽ ንገጽ` ኣራኽቡና ኢሎም


ኣብ ጽንብል ናጽነት ደቡብ ሱዳን ዝተረኸብና ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዮሃና ክንብል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ`ቲ ጽንኩር እዋን ኣብ ጎኑ በይኑ ደው ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ`ውን ዮሃና ንኽንብል እዩ ኢሉ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ጁባ ንዞባዊ ጉዳያት ዘገድስ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ-ሙን ከምዝተዘራረቡ ዘረጋገጸ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ከሰስቲ ኣለዉ እንተኾይኖም ምስኦም ገጽ ንገጽ ተራኺብና ክስና ክንፈልጥን ከሰስትና መን ምዃኖም ክንፈልጥን ንደሊ ኢና ኢሉ።

ኣተሓሒዞም፡ ዋና ጸሓፊ ባን-ኪ-ሙን ኣስመራ ክበጽሑ ከምዝተሰማምዑ ጠቒሶም፡

ብዛዕባ ዑደት ደቡብ ሱዳን ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ጽንብል ናጽነት ደቡብ ሱዳን ዝተሳተፍና ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዮሃና ክንብል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ`ቲ ጽንኩር እዋን ኣብ ጎኑ በይኑ ደው ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ`ውን ዮሃና ንኽንብል እዩ ኢሉ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ።

ምስ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቕ፡

XS
SM
MD
LG