ሸሞንተ ተሰለፍቲ ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ምስ ዓላሚኦም ኦመር ኣሕመድ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ከምዝጠፍኡ ተረጋጊፁ።
ዋና ፀሓፊ ሴካፋ (ፈደረሽን ማእከላይን ምብራቅን ኣፍሪቃ) ኒኮላስ ሚሶንየ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ፣ኣባላት‘ታ ጋንታ ካብ ሆቴሎም ምስ ወፁ ኣይተመለሱን ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን ኢሉ።
ሚስተር ሚስዮካ ወሲኹ፣እቶም ኤርትራውያን ኣባላት ሕርይቲ ጋንታ፣ ንመንግስቲ ኬንያ ዘቅረብዎ ሕቶን ጠለብን ዛጊድ የለን።ሃለዋቶም ንምፍላጥ ድማ ፃዕሪ ቀፂሉ‘ሎ ኢሉ።
ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ንክጠፍኡ እዚ ናይ ሎም ቅነ ፈላማይ ኣይኮነን።ዓሚ‘ውን ብተመሳሳሊ 17 ተፃወቲ‘ታ ጋንታን ዶክተሮምን ኣብ ኡጋንዳ ከምዝጠፍኡ ዝዝከር‘ዩ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ግብፂ ዝተዳለወ ኣህጉራዊ ውድድራት ተሳቲፋ ዝተዓወተት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ከምዝኣተወት መርበብ ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጣ።
እታ ጋንታ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበፅሓትሉ እዋን፣ኮምሽነር ስፖርት‘ታ ሃገር ጀነራል ሮመዳን ኣውሊያን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ከምዝተቀበልዋ እቲ ዜና ይሕብር።