እቲ ኣብ ሳዋ ዝካየድ ፈስቲቫል መንእሰያት ዝሓዞ መደባት፡ ትምህርታዊ ውድድራት፡ ካብ ኤርትራን ካብ ምሉእ ዓለምን ብዝመጹ ዝካየድ ዘመናውን ያታውን ምርኢታት፡ ልዕሊ 20 ሺሕ ዝኾኑ መንእሰያት ዝሳተፍሉ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ብዓቢኡ ድማ ብዙራ-ንሃገርካ ዝጽዋዕ ካብ ሳዋ ተበጊሱ ብባጽዕ ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ከባቢ ዓዲቐይሕ ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታት በለው ከለው ዝበጽሕን ኻልኦት መደባትን ዘጠቓልል ምዃኑ፡ ካብ መንጎ ኣተሓባበርቲ ሰሜን ኣመሪካ ሓንቲ ዝኾነት ሓድነት ቀለታ ካብ Las vegas ኣብቲ ምስ ተወልደ ወልደገብሬል ዘካየደቶ ቃለመጠይቕ ዘርዚራ`ላ።
ካልእ ኣብቲ ቃለመጠይቕ ዝተሳተፈን ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየን መንእሰይ መኮንን ካሕሳይ ካብ Washington DC ብወገኑ፡ ብዛዕባ ሳዋ ኣብ ደገ ብዙሕ ኣሉታዊ ርኢቶታት ዝወሃብ`ኳ እንተኾነ፡ ከይድካ ምርኣይ ዝመስልዎ ነገር ስለዘየለ፡ ጽዑቕ ስርሐይ ኣወንዚፈ ንመገሻ ተበጊሰ`ለኹ ኢሉ።
ንምሉእ ትሕዝቶ ቓለመጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ