ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እማመ-ሰላም ምስ ኤርትራ ሰለስተ ዲፕሎማታት ኣሜሪካ መዘራረቢ ኮይኑ


Peace dove
Peace dove
ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮዽያን ነዊሕ ዝኾነ ታሪኽ ዘለዎም፣ሕጂ‘ውን ነዊሕ ናይ ሓባር መፃኢ ዘለዎም ህዝብታት’ዮም።እዚ ሓደ ክንኣምነሉ ዘለና ሓቂ‘ዩ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ‘ዚ ጊዚያዊ‘ዩ።እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኢትዮዽያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ጊዚያዊ‘ዩ።ነቲ ነባሪ ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ኢና ክንዘራረብ ዝግባኣና ይብል ዶ/ር ዓወት።

ኣቶ ዳደ ብወገኑ፣ሓደ እቲ እገዳ ክቅፅል የብሉን።ንከይቅፅል ከኣ ክግበር ዝግባኦ እቶም ናብኡ ዘብፅሑ ነገራት ብሙልኦም ብዝረጋገፅ ኣገባብ ዝተላዓሉ ምኳኖም ኤርትራ ዝተሓመየትሎም ብሙልኦም ፅርይቲ ኮይና ክትወፅእ ኣለዋ እምነት ኣለኒ ይብል።

ተዘየለ ትርጉም‘ቲ እገዳ ኤርትራ ዝበደለቶ ነገር ከይሃለወ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ማዕቀብ ኣንቢርካን ክትግለል ገይርካን ብዘይመበገሲ ክተንብረላን ብዘይመበገሲ ክተልዕለላን ከምቅቡል ነገር ክኸውን‘ዩ ማለት‘ዩ።ከምኡ እንተኾይኑ እዚ ዓለም‘ዚ ብሃታሃታ‘ዩ ዝምራሕ ማለት‘ዩ ይብል።

ክልቲኦም ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ቀፃሊ መድረኽና ብዛዕባ ኤርትራ ርክብ ምስ ኢትዮዽያ ከምኡውን ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮዽያ ክካትዑ‘ዮም።
ጉዳይ ኤርትራ ምስ ኣሜሪካን ኢትዮዽያን
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:14 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG