ኤርትራ ፡ብፍልይቲ ራፖርተር ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረባ፡ ንጉዳይ ምዕጻው ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምልከት ሻቕሎት፡ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ።
ንሃይማኖታዊ ትካላት ዝምልከት ሕጊ፡ ኣብ 1995 ምስ ዝምልከቶም ሃይማኖታዊ ትካላት ብምምኽኻር ከም ዝወጸን፡ ትካላት ሃይማኖት ንኻልኦት ዘይ-ሰዓብተን ንዘይምጉናይ ተባሂሉ ልምዓታዊ ምንቅስቓሳተን ዝድርትን፡ ካብ ወጻኢ ገንዘብ ከይሓታን ዝእዝዝን ምዃኑ ትገልጽ ኤርትራ፡ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ `ዩ ዝብል፡ ሓቅነት ዘይብሉ`ዩ ኢላ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ሓለዋ ጥዕና ብዝገበሮ ወፍሪ፡ 82% ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ 10 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ናብ ሕክምናዊ መሳለጥያ ዕድል ከምዝረኸበ`ውን እቲ ካብ ጀነቫ ብወኪል መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ይገልጽ።
ፍልይቲ ራፖርተር ዳንኤላ ክራቨተዝ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተኻየደ ቅየዳ ትካላትን ማእሰርቲ አባላት ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያንን ጉባኤታት ክርስትያንን ኣመልኪታ ከቢድ ሻቕሎታ ምግላጻ ይፍለጥ።
ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕና ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሃንደበት ከምዝተዓጽዋ ዝገልጽ ሓበረታ ድሕሪ ምስምዑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ናይ ምርኽኻብ መስርሕ`ምበር ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሉ ኔሩ። እዚ ካብ ጀነቫ ዝወጸ መግለጺ ብወገኑ፡ እቲ ብምንስትሪ ጥዕና ዝወጸ መምርሒ፡ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ኣብ ትሕቲኤን ዝነበራ ክሊኒካት፡ ንዞባዊ ጨንፈራት ሚንስትሪ ጥዕና ከሰጋግራ ዝሓትት`ዩ ይብል።
ኣተሓሒዙ፡ እቲ ብፍልይቲ ራፖርተር ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፡ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንተጠቀምቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ `ዩ ዝብል፡ ሓቅነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ኣብ ምልእቲ ሃገር ተሰሪሖም ዘለዉ ናይ መወከሲን ዞባዊን ሆስፒታላት፡ ከምኡ`ውን ክሊኒካትን ትካላት ጥዕናን ብሚንስትሪ ጥዕና ዝንቀሳቐሱ`ዮም ይብል ።
ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ሚለንየም ብመዳይ ክንክን ጥዕና ዘመዝገበቶ ዓወታት ብትካላት ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ድማ ብውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒሰፍን ከምዝተመስከረሉን፡ ምስ`ቶም ትካላት ኣብ ብዙሓት ፕሮግራማት ከምዝተሓባበርን ኣብ`ቲ ዝሃቦ ምላሽ ጠቒሱ`ሎ።
ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ እታ ፍልይቲ ራፖርተር፡ ኣብ`ታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሃይማኖትን፡ ሃይማኖታዊ ምቅድዳውን፡ ሕጋዊ ባይታን ኣብ ግምት ከየእተወት ናብ ከምዚ ዓይነት ፍርድን ድምዳመን ምብጽሓ ኣሕዚኑና`ዩ ብምባል ነቲ ዘሎ ኣካይዳ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።