ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዓሊ ዓብዱ በብዕለቱ ብዝመፁ ፅውፅዋያት አይንደናገርን ኢና ክብሉ ንክሲ ኢትዮጵያ መልሲ ሂቦም


ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር አቶ መለስ ዜናዊ ንፓርላማኦም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ተግባር ምእራይ ማዕድን ወርቂ ተዋፊሮም ንዝነበሩ ልዕሊ ሚእቲ መንእሰያት ጨውዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ልዝብ አይምለስን እንተበለ'ውን መንግስቶም ገና ብዘይምስልካይ ከም ዝፍትን ጠቂሶም፡ ኤርትራ ብዝምልከት ክንስዕቦም ኢና ዝበልዎም ካልኦት ነጥብታት'ውን ተዛሪቦም'ለው።

ነዚ ምላሽ ክህብሉ ዝተሓቱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ አቶ ዓሊ ዓብዱ "ጉዳይና ምስ ተላኣኣኺ ዘይኮነስ ምስ ለአኺ'ዩ "ኢሎም። ነዚ'ውን ኤርትራ ጉዳያ ናብ ሕቡራት መንግስታት አቅሩባ'ላ ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG