ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ንኽሲ ቀዳማይ ምንስተር መለስ ብትሪ ይነጽግ


ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ”ወያነ ዝፈብረኾ ድራማ`ዩ” ክብል ንዝቐረቦ ክሲ መልሲ ሂብሉ`ሎ

ቀዳማይ ምንስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላምኦም ኣብ ዘስምዕዎ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፈንጂ ኸንቱግ ውዲት ኣሊሙ ኔሩ ክብሉ ምኽሳሶም ይዝከር።

ነዚ ክሲ`ዚ ምላሽ ክህብሉ ዝተሓተቱ ምንስተር ዜና ኤርትራ ዓሊ ዓብዱ፡ “ዝተማህዘ ናይ ሓሶት ብኽያት`ዩ” ክብል መሊሱ።

ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ንቡር ምሕዝነተን ክምለሳ ብዛዕባ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተሓተተ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡”ብጹእነት ልዕልና ሕጊ ምስተኸብረ፡ ውሳነ ኮምሽን-ዶብ ብትግባረ ምስ ተሓንጸጸ፡ ክልቲአን ልዑላውያን ሃገራት ዝውስንኦ ሉዓላዊ ሕርያ`ዩ” ዝኸውን ኢሉ።

“ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ተቐቢልናዮ ኢና፡ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ንዘራረብ ኢና ዝበልና” ንዝብል መግለጺ ምላሽ ክህብሉ ዝተሓተቱ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ነዚ ንዝሓለፈ 5ተ 6ተ ዓመት ሰብ ላሕ ዘበለ ዘረባ ሰብ ክኣምኖ ይኽእል`ዩ ኢሎም ይሓስቡ እንተልዮም “መጠን ነብሱ ጥራይ`ዩ” ኢሉ ዓሊ ዓብዱ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝፈነዎ ዜና፡ ብውዲት መጥቃዕቲ፡ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከሲሱ ኔሩ። ብዛዕባ`ዚ ምላሽ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ኦነግ ዶ/ር በያን ኣሶባ፡ “ወያነ ኸምኡ ዓይነት ድራማታትን ናይ ሓሶት ወረታትን እንፈብረኸ ክነዝሕ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን” ኢሎም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ክሊቲኡ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡-

XS
SM
MD
LG