ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እገዳ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኢትዮጵያ ንዝሃበቶ መግለጺ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ዝሃብዎ ግብረ መልሲ


Yemane Gebremeskel
Yemane Gebremeskel

ኢትዮጵያ ‘ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንክለዓል ዘኽእል ብቑዕ ጭብጢ ኣብ ባይታ የለን’ ክትብል ንዝሃበቶ መግለጺ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል መልሲ ሂቦም።

ንሶም ኣብ ዝፈነውዎ ትዊተር ‘ሚኒስትር ዴኤታ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኢርትራ ምቕጻል እገዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መገሻ ንዝፈጸሙ ኣባላት ጉጅለ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ሃቲፈን’፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ጭዋዳ ኣለዋ ኢለን ይሓስባ እንተኾይነን ኣብ ኩኩ-ዓለም’የን ዝነብራ ዘለዋ’ እውን በሉ ኣቶ የማነ ገ/መስቀል።

ኣቶ የማነ ኣብ ትዊተሮም ‘እቲ ሓቂ - ዘይሕጋዊ እገዳ፣ ሕጋዊን መርተዖ ዘይብሉን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣብ 2009 ዓም ዝተወሰነ ነቲ ናይ ሽዑ ምምሕዳር ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምዕዋት ተባሂሉ’ዩ። እቲ ነገር ልዕሊ’ቲ አገዳሲ ዘይኾነ ጎይቒ ህወሓት’ዩ’ እውን በሉ።

ኣቶ የማነ ወሲኾም "ክትቅጻዕ ዝነበራ ኢትዮጵያ'ያ፡ ምኽንያቱ ነቲ ብውሕስነት ባይቶ ጸጥታ ዝተግብረ ስምምዕ ኣልጀርስን፡ ነቲ ሉኡላዊን ግዝኣታዊ ሓድነትን መሬት ኣባል ሃገራት ዘኽብር ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ብምጥሓሳ" ኢሎም

XS
SM
MD
LG