ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ድሒሩ ዝመጸ ዝናብ ንፅቡቕ ኽራማት ይእምት- ክፍሊ ሚትርዮሎጂ


ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ዝነበረ ዝናብ ድኹም እንተነበረ`ኳ ካብ ድሕራዋይ ክፍላ ሰነ ክሳብ ሓምለ ዝወቅዕ ዘሎ ማይ ንእቶት ክራማት ከዐውቶ ኸምዝኽእል ሓላፊ ሚትሮሎጂ ኤርትራ ኣቶ ኢሳቕ ፍስሃ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ

ብደቡባዊ ዞባታት ኤርትራ ዝጅምር ዝናብ ናብ ሰሜናዊ ዞባታት ቀጺሉ ብደቡባዊ ከምዝውድእ ኣቶ ኢሳቕ ይገልጽ።

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዝሃርም ዘሎ ዝናብ፡ ነቲ ኣብ ንቑጽ ባይታ ተዘሪኡ ዝጸንሐ ከምዝበራብርን፡ ንከም ስገም ስርናይ፡ ጣፍ ሓምለን ካልኦት ጥረታትን ድማ ኣብ ግዚኡ ይመጾ ስለዘሎ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ እቶት ትጽቢት ይግበር ይብል እቲ ክኢላ።

ሰናይት ሃብቱ ንዝለኣኸቶ ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG