ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣስመራ ዋጋ እኽሊ ክሳብ ብፍርቂ ክጎድል ጀሚሩ


ኣብ`ዚ ቕንያት`ዚ ዋጋ መሰረታውያን ኣእካል ክሳብ ብፍርቂ ክንኪ ይርአ`ሎ። ንኣብነት መሸላ ንኹንታል ክሳብ 3500 ናቕፋ በጺሑ ዝነበረ፡ ሕጂ ናብ 1700 ናቕፋ ክጎድል ክኢሉ`ሎ። ስርናይ`ውን ናብ 1800 ወሪዱ`ሎ። ካልኦት ኣእካል`ውን ወሪዶም ኣለዉ፡

ሎሚ ዘመን ንምምጻእ ጽቡቕ ኽራማት ተኸቲሎም፡ ዝካየዱ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ኩሎም ቦታታት ኤርትራ ክሰላሰሉ ጸኒሖም ኣለው ትብል ሰናይት ሃብቱ ካብ ኣስመራ። ብደረጃ ሃገር 455 ሺሕ ሄክታር መሬት ከም ዝተሓርሰን፡ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዚዩ ዝሓሸ እቶት ከምዝጽበን ምንስትሪ ሕርሻ ይገልጽ።

ኣብ`ዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራ ዝርከባ ዲጋታትን ራህያታትን መሊአን ከምዝርከባን፡ ኣብ ልዕሊአንን ትሕቲአንን ዘሎ መሬት ብዘመናዊ መስኖኣዊ ኣገባብ ንምልምዑ ዝወጸ መደብ ብዕቱብ ይስርሓሉ ከምዘሎ`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ብጽልዋ`ዚ ድማ ኣብ`ዚ ቕንያት`ዚ ዋጋ መሰረታውያን ኣእካል ክሳብ ብፍርቂ ክንኪ ይርአ`ሎ። ንኣብነት መሸላ ንኹንታል ክሳብ 3500 ናቕፋ በጺሑ ዝነበረ፡ ሕጂ ናብ 1700 ናቕፋ ክጎድል ክኢሉ`ሎ። ስርናይ`ውን ናብ 1800 ወሪዱ`ሎ። ካልኦት ኣእካል`ውን ወሪዶም ኣለዉ፡ እቲ ኣዝመራ መሊኡ ምስኣተወ ድማ እቲ ምጉዳል ዋጋ እኽሊ ዝያዳ ከምዝወርድ ይእመን ትብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምልክት ድምጺ ብምኽፋት ምስማዕ ይከኣል።

XS
SM
MD
LG