ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

22 ዓመት ዝኽሪ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፤ ፐን ኤርትራ ንካሳሁን ቸኮል ይሽልም


22 ዓመት ዝኽሪ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፤ ፐን ኤርትራ ንካሳሁን ቸኮል ይሽልም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:47 0:00

22 ዓመት ዝኽሪ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፤ ፐን ኤርትራ ንካሳሁን ቸኮል ይሽልም

ሎሚ ሰኑይ 18 መስከረም 2023 መበል 22 ዓመት ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ዝተኣገዳሉን ላዕለዎት መራሕቲ ነበር ዝትኣስሩሉን’ዩ። ካብቲ ዕለት ንደሓር ኤርትራ ኣብ ትሕቲ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ማእሰርት ጋዜጠኛታት ዝርኣየላ ሃገር ተባሂላ ብተሓለቕቲ መሰል ጋዜጠኛታት፡ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ተሰይማ ኣላ።

22 ዓመት ዝኽሪ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፤ ፐን ኤርትራ ንካሳሁን ቸኮል ይሽልም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:47 0:00

ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ብዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ደረስቲን ኤርትራውያን ዝቖመ፡ ኣካል’ቲ ዓለማዊ ማሕበር ፐን ኢንተርናሽናል ኰይኑ፡ ንድንፋዐ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ዝሕለቕ’ዩ። እዚ ማሕበር ነዚ ዕለት ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ መዓልቲ ዓመታዊ ተሸላሚ መሰል ምግላጽ ሓሳባት ይህብ’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲ ድማ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል ኰይኑ ኣሎ።

“መስራትን ወናኒን ቤት ማሕተም መጻሕፍቲ ኣፍሪቃ ወርልድ ፕረስን (Africa World Press)፡ ረድ-ሲ ፕረስን (The Red Sea Press) ካሳሁን ቸኮል፥ ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መጻሕፍቲ ብምሕታምን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቅዳሓት ብምዝርጋሕን፡ ስነጽሑፍ ኣብ ምድንፋዕ ብዝተጻወቶ ዕዙዝ ተራ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ብዝገበሮን ይቕጽሎ’ውን ዘሎ ዘይተባተኸ ቃልሲ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2023 ኰይኑ ተረቚሑ፡” ይብል እቲ ብጽሑፍ ዝወጽአ መግለጺ ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት።

ካሳሁን ቸኮል ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዙሕ ኣበርክቶኡ፡ ኣብ 2000 ኣብ ኣስመራ ዝተጋብአ ዓቢ ናይ ኣፍሪቃ ቋንቋታትን ስነ-ጽሑፍን “ኣንጻር ኵሉ መሰናኽላት” ካብቶም ወደብቲ’ዩ ነይሩ። ኣቶ ካሳሁን ሓደ ካብቶም ብ”በርሊን ማኒፈስቶ” ዝፍለጠ ፈረምቲ ጉጅለ-13’ውን’ዩ ነይሩ።

ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ “እዚ ሽልማት’ዚ፤ ምስቶም ዲሞክራሲን ሰብኣዊ ሓርነትን ንምንጋስ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ገና ዝኸፍሉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣፍሪቃውያንን ኣዳሪጉ ስለ ዘቐመጠኒ ዓሚቝ ክብሪን ሓላፍነትን እስመዓኒ፡” ክብል ብዛዕባ’ዚ ሽልማቱ ንፐን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ ኣሎ።

ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ነቲ ዓመታዊ ሽልማት ምግላጽ ሓርነት ኣብ 2019 ካብ ዝጅምሮ ንደሓር፡ ዛጊት ኣብ ስነ-ጽሑፍን መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ተሸሊሞም ዘለዉ ጋዜጠኛን ገጣሚትን ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ጋዜጠኛን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ሳልሕ ጋዲ (ጆሃር)፣ ፕሮፈሰር ስነ-ጽሑፍ ግርማይ ነጋሽን ድምጻዊ ኣብራር ዑስማንን’ዮም።

ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ነዚ ሽልማት ኣብዛ መዓልቲ ክገብሩሉ ዝመርጸሉ ምኽንያት መዘኻኽሪ ነቶም እሱራትን መጸዋዕታ ንናጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራን ምዃኑ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ሰሉስ 18 መስከረም 2001 ሸውዓተ ጋዜጣታት ብሕቲ ተዓጽየን፡ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ነበር ድማ ተኣሲሮም። መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንጽባሒቱ 19 መስከረም “ጋዜጣታት ብሕቲ ንግዜኡ ተኣጊደን” ብዝብል ኣርእስቲ ዜና ኣስፊራ ነይራ። ዜና ሓዳስ ኤርትራ፡ “ጋዜጣታት ብሕቲ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ፕረስን ብምጽራረን፡ ከምኡ’ውን ብሕጊ ንኽሰርሓ ዝተዋህበን ተደጋጋሚ መዘኻኸሪን ዕድልን ብምንጻገን፡ ካብ ትማሊ 18 መስከረም ጀሚረን ንግዜኡ ደው ክብላ መንግስቲ ኤርትራ ወሲኑ፡” ዝብል ኔሩ። እንተዀነ እቲ ዜና ወሲኹ፡ “ሚኒስትሪ ዜና ንዝሓለፈ ተመኵሮ ገምጊሙ ብሕጊ ፕረስ ዝቕየዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ፍቓድ ክህብ’ዩ፡” ይብል።

እንተዀነ ንዝሓለፉ 22 ዓመታት ዝተዋህበ ፍቓድ ናጻ ፕረስ የሎን።

ኣብቲ ብጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝዝርጋሕ ዓመታዊ መዕቀኒ ናጻ ፕረስ፡ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብቲ መጨረሽታ ምድብ--ማለት 180 ካብ 180 ሃገራት’ያ ጸኒሓ። ኣብ ናይዚ ዓመት ምድብ ግን ኤርትራ መበል 174 ካብ 180 ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ ነቲ ዝተሓተ መስርዕ ሓዚኣ ዘላ ሰሜን ኮርያ’ያ።

ከም ጸብጻብ ተሓላቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኤርትራ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ማእሰርቲ ኣለዉ። ክልተ ድማ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝሞቱ እቲ ትካል ጠቒሱ ኣሎ። መብዛሕትኦም እዞም ጋዜጠኛታት ኣብቲ ናይ መስከረም 2001 ዝተገብረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብሓባር ኣብ ቐይዲ ዝኣተው'ዮም። ብጸብጻብ ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት ኤርትራ ክልተ እዋን (ኣብ 2015 ከምኡ’ውን 2019) ዝተገብረ ፍሉይ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ዓፈና ፕረስ (ሰንሰር) ዝርኣየላ ሃገር ተባሂላ ተጸዊዓ’ያ።

ጋዜጣታት ብሕቲ 18 መስከረም ምስ ተኣገዳ፡ ጋዜጠኛታት ቍሩብ ጸኒሖም ዕለት 23 መስከረም’ዮም ክህደኑ ጀሚሮም። ኣብቲ ናይ ሽዕኡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወሲዶም ዛጊት ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት፤ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ኣቶ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ማቲዎስ ሃብተኣብ፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣቶ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ኣቶ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ሰቲት ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ፣ ሰኣሊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ስዩም ጸሃየ፣ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፣ ናይ ውልቂ ኣበርካትሪን ደራሲን ኣቶ እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረ) ምዃኖም መዛግብቲ ፐን ኤርትራ የመልክት።

እዞም ዝተጠቕሱ ጋዜጠኛታትን ኣበርከትቲን ካብ መስከረም 23 ክሳብ ፈለማ ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ምስ ተወስዱ ዛጊት ኣብ ሕጊ ከም ዘይቀረቡ ተሓለቕቲ ትካላት ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታትን ይሕብር። በብእዋኑ ካልኦት ዝተወሰኹን ገሊኣቶም ተኣሲሮም ዝወጽኡን ጋዜጠኛታት ምንባሮም ዘመልክት ጸብጻብ ተሓለቕቲ ትካላት፡ ካብቶም ናይ 2001 ጋዜጠኛታት ግን ዛጊት ዝተፈትሐ ወይ ናብ ሕጊ ዝቐረበ ከም ዘየለ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኩነታት ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ወግዓዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ቅጡብ’ዩ። ንዅላቶም ግን “ብኽሕደት ሃገር” ዝብል ይኸሶም። ዛጊት ናብ ናጻ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጋዜጠኛ ወይ ድማ ኣብ እዋኑ ካብ ዝተኣስሩ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ግን የሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG