ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀረባ እዋን ንኢትዮጵያ ክበጽሕ’ዩ፡” ኣማኻሪ ጸጥታ ቀ/ሚ/ኢትዮጵያ


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን ተራኺቦም፡ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ምዝርራቦም ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመገዲ ትዊተር ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ እቲ በዓል ስልጣን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀረባ እዋን ንኢትዮጵያ ክበጽሕ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። መቓን ግዜ ናይ ዑደት ፕረዚደንት ግን ኣይተነጸረን።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል’ውን ክልተኦም መራሕቲ ዓሚቝ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ትማሊ ኣብ ትዊተር ሓጺር ሓበሬታ ጠቒሱ ነይሩ።

ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኲናት ክልል ትግራይ ካብ ዝጅምር ናይ ፈለማ’ዩ ክኸውን። ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብን ምብጽጻሕን ከም ዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሒሩ ግን እቲ ዝነበረ ቅርበት በቲ ዝጀመሮ ቅልጣፈ ክኸይድ ከም ዘይጸንሐ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝምስክሩሉ’ዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ጸብጻቡ ወግዓዊ ዝገበረ ሲቪካዊ ማሕበረሰብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ገና ካብቲ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ከይትግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ ባእታት ክብል ኣቐሚጡዎ ነይሩ።

መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተራኸቡሉ ዝተዛራረቡሉ ኣጀንዳን ብሕጂ ዝጽበዮም መዛራረቢ ኣርእስታትን ግን ኣይተጠቕሰን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG