ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሰሪቆም ናብ ስዑድ ዓረብ ንዝወሰድዋ ነፋሪት ሒዛ ንክትምለስ ዝተላኣኸት ኤርትራዊት ፓይለት ንሳ‘ውን ናብ ስዑድያ ከምዝሰለመት ተገሊፁ።

እታ ካብ ጥቅምቲ ንነዘ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ስዑድያ ጠጠው ኢላ ዝነበረት ነፋሪት፣ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝጥቀሙላ ነፋሪት ከምዝኾነ ተገሊፁ ነይሩ።

ሮይተርስ ትካል ዜና፣ኣብ ርያድ ካብ ዘለው ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ ተፈቲኑ ኣይሰመረን ይብል።እታ ኤርትራዊት ፓይለት፣ዘቅረበቶ ሕቶ ፖለቲካዊ ፅግዕተኛነት ተቀባልነት እንተረኺቡ ተወሳኺ ሓበሬታ ዛጊድ የለን።

ኣብ’ታ ግልልቲ ትባሃል ኤርትራ ምስላም ሓድሽ ነገር ኣይኮነን ይብል ዝመጻና ዜና።ዓሚ‘ኳ 14 ኣባላት ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኡጋንዳ ዕቁባ ሓቲቶም‘ዮም።ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ፣ብርክት ዝበሉ ተፃወቲ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንዓዶም ኣይተመለሱን።

ኣሻሓት ኤርትራውያን ዓመት ዓመት ዝጠፍኡ ብጠንቂ ቁጠባዊ ፀገማትን መወዳእታ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንምህዳም ኢሎም ከምዝኾነ ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታትን ትካላት ረድኤትን ይገልፁ።
XS
SM
MD
LG