ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰለስት ቆሞሳት ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ንቃለ-መጠይቕ መራሕቲ ሲኖዶስ ምላሽ ይህቡ


ፓትርያርክ እንጠንዮስ ናብ ስልጣኖም እንተዘይተመሊሶም ኣብ ሓድነት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዓቢይ ናይ ምክፍፋል ስግኣት ከምዝህልው`ውን ኣጠንቂቖም

ሰለስተ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ቆሞሳት ኦርቶዶክስ ኤርትራ፡ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ጌሩ ዝተመልሰ ጉጅለ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቪኦኤ ቀሪቦም ምላሽ ሂቦም ኣለዉ።

ንሳቶም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ንሳቶም ሕጋዊ ሰበኻ ከምዝኾኑን፡ ነቶም ኣብ ማሕዩርን ማእሰርትን ኣለዉ ዝበልዎም ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ተኸቲሎም ዝኸዱ ከምዝኾኑን ገሊጾም።

ፓትርያርክ እንጠንዮስ ናብ ስልጣኖም እንተዘይተመሊሶም ኣብ ሓድነት ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዓቢይ ናይ ምክፍፋል ስግኣት ከምዝህልው`ውን ኣጠንቂቖም።

ምስ ቆሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል ካብ ቤተክርስትያን ቅድስት ስላሴ ስያትል፡ ሊቀ-ካህናት ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ካብ ደብረ ግእዛን መድሃኔ ኣለም ቤተክርስትያን ኣትላንታ፡ መልኣከ-ሰላም ወልደንስኤ ብርሃነ ካብ ደብረ-ሰላም መድሃኔ ኣለም ዋሺንግተን ዲሲ -ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG