ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ርግጸት ልዕልና ሕጊ ኸብቅዕ፡ ማህበረሰብ ዓለምን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ግዴትኦም ክፍጽሙ” ክብል መንግስቲ ኤርትራ ጸዊዑ


ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያንንምፍታሕ ዝቖመ ዳናዪ ኮሚሽን ዶብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ክትግበር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብፍላይ ግዴትኦም ክፍጽሙ ፡መንግስቲ ኤርትራ ጸዊዑ።

“ንሰላምን ዕብየትን ናይ’ዚ ዞባ’ዚ፡ተጎቢጡ ዘሎ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ሓራ ክወጽእን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጻዒኑ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይምኽኑይን እገዳ ክለዓል ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ” ክብል ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዳይረክተር ቤ/ጽሕፈት ሚንስትር ኣቶ ጸሃየ ፋሲል ንቪኦኤ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG