ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ዋዕላ ሙዚቃን ትልሂታትን ተኻይዱ


ኣብ ሆተል-ኣስመራ-ፓላስ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ናይ መኽፈቲ ስነስርዓቱ ድምቕ ዝበለ ከምዝነበረ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሰናይት ሃብቱ ትገልጽ።

ናይ ክብሪ ዕዱም ብምዃን ነቲ ዋዕላ ዝኸፈቱ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራ ከምቲ ብመግቢ ውሕስነት ተረጋግጽ ብሙዚቃ`ውን ኤርትራ ነብሳ ከምተውሕስ ዘማትእ ኣይኮነን ኢሎም።

ካብ መንጎ`ቶም ናይ መጽናዕቲ ወረቐት ዘቕረቡ ሰነ-ጥበባውያን ሓደ ባርናባስ መብራህቱ፡ ብስልኪ ንተወልደ ወልደገብሬል ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ዋዕላ ነቲ ዘሎ ሓያል ጎኒ ሙዚቃ ዝያዳ ንምድልዳል ዝሓለነ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ፡ንምትእስሳር ድምጽን ሙዚቃን ብዝምልከት ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ`ዚ ተራ ክህልዎ ተስፋ ይገብር።

እቲ ትማልን ሎሚን ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ብማሕበር ሙዚቀኛታት ኤርትራ ዝተወደበ`ዩ።

ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ፕሮግራምና እተዉ

XS
SM
MD
LG