ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራዊ ውድብ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ኣስመራ ተቓኒዑ


ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ 5ይ ጉባኤ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ውድብ ስፖርት ኣፍሪቃ(ኦሳማ) ተዛዚሙ`ሎ። ኣብ`ቲ ዋዕላ ካብ 21 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 50 ወተሃደራዊ መኮንናት ኣፍሪቃ ተሳቲፎም ኔሮም።

ዋና-ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ያውንደ ካሜሩን ዝኾነ ኦሳማ: ዕላምኡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኣፍሪቃ ምሕዝነትን ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ምህናጽ ከምዝኾነ ኣብ`ቲ እዋን ተገሊጹ`ሎ።

ኣብ`ቲ ኣብ ኣደራሽ ኣስመራ ፓላስ ዝተኻየደ ጉባኤ ወዲ ብሩኪናፋሶ ኮ/ሌ ካብረ ደቪድ ፕረሲደንት`ቲ ውድብ ኮይኑ ክምረጽ ከሎ፡ ወዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ብ/ጀነራል ሲባንጎ ድማ ምኽትል ፕረሲደንት ኮይኑ ተመሪጹ`ሎ።

ናይ መዕጸዊ መደረ ዘስምዐ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ እቲ ዋዕላ ንምልውዋጥ ተመክሮታት ስፖርት ወተሃደራት መድረኽ ምኽፋቱ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG