ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ምዕባለ ብዛዕባ ንምንስትር ዜና ኤርትራ ተቆፃፂሮም ዝዋዓሉ ኣባላት ሰራዊት


ASMARA
ASMARA
ንምንስቴር ዜና ኤርትራ ተቆፃፂሮም፣ንፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን ናይ 97 ሕገ-መንግስቲ ንክትግብረን ዝፀውዑ ዝዓለው ኣባላት ሰራዊት፣ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምልዛብ፣ናብ ደቡባዊ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ ካምፕ ከምዝተመለሱ ተፈሊጡ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎምዎም ንዝዋዓሉ ሰራሕተኛታት‘ቲ ቤት ዕዮ ብናይ ኣስመራ ኣቆፃፅራ ምሸት ሰዓት 9:30 ከምዝለቀቁ፣ተቋሪፆም ዝዋዓሉ ፈነወ ቴሌቭዥንን ሬድዮን ኤርትራ‘ውን ካብ 9:30 ናይ ምሸት ጀሚሩ ንስሩዕ ፈነወኦም ከምዝጀመሩ እቲ ዜና ሓቢሩ።ስለምንታይ እቶም ፈነወታት ከምዝተቋረፁ ግና መብርሂ ኣይሃቡን።

ፈነወ ሬድዮን ቴሌቭዥን፣ሓደ ጋዜጠኛ ሕገ-መንግስቲ‘ታ ሃገር ይከበር፣ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሑ ብድሕሪ ዘስመዖ መፀዋዕታ ነበረ ሃንደበት ዝተቋረፁ።

ክፍሊ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ሽዱሽተ ሚልዮን ዝህዝባ ኤርትራ ካብ 5 - 10 ሽሕ ፖለቲካዊ እሱራት ኣለውዋ ይብል።

መንነቶም ክግለፅ ዘይደለዩ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ምንስቴር ዜና ኤርትራ፣እቶም ድሩዓት ማካይን ዝሓዙ ወትሃደራት፣ሎሚ ንጉሆ ምስ ቅሬተኦም ዝሓዘ ፅሑፍ ከምዝመፁ ጠቂሶም።እንተኾነ ትሕዝቶ‘ቲ ጠለቦም ወይካኣ እቲ ምስሕሓብ ከመይ ከምዝተፈትሐ ፅፁይ ሓበሬታ ዛጊድ የለን።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ኣሜሪካ፣ዜጋታት ኣሜሪካ ኣብ‘ታ ርእሰ-ከተማ ጥንቁቅ ምንቅስቃስ ንክገብሩ ምዒዱ‘ሎ።ኣብ ገለ ከባቢታት ኣስመራ ወትሃደራዊ ምንቅስቃስ ከምዝወሰኸ‘ውን እቲ መግለፂ ይሕብር።

ስሳስ ሽዱሽተን ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣እታ ሃገር ካብ ኢትዮዽያ ካብ ዝተፈለየትሉ ዕለት ጀሚሩ ንኤርትራ ኣብ ምምራሕ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ‘ዩ።

ኤርትራ ፅኑዕ ቁፅፅር ዘለዋን ብሕልፊ ንወፃኢ ዕፁውቲ ኮይና ዘላን ሃገር‘ያ።
ብዛዕባ‘ቲ ናይ ሎሚ ሶኒ ተጓንፎ፣መብርሂ ንክህቡ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ተገይሩ ኣይሰለጠናን።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ከምዘንበረ ይዝከር።ኣብ ኤርትራ ንደባይ ተዋጋእቲ ተዕጥቅ‘ያ ብዝብል ምኽንያት።
XS
SM
MD
LG