ዋሽንግተን —
`ሕድሪ ብግብሪ` ዝብል መሪሕ ዝተኸተሉ መንእሰያት ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ንስድራ-ሰማእታት ኤርትራ ንምሕብሓብ ፍሉይ ቅዲ ይኽተሉ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ሃገራዊ ሓወልቲ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ዝተረኸቡ ገለ መንእሰያት፡ ዝሓለፈ ዓመት ዓዲሎሞ ዝነበሩ ታኒካታት መዋህለሊ ገንዘብ ሓገዝ፡ ሎሚ ዘመን ከም ዝተረከብዎን፡ ንዓመታ ዝምለስ ካልእ ናእሽቱ `ፒጊ ባንክ` ዝብሃላ ታኒካታት`ውን ከም ዝዓደሉ መንእሰይ ዳንኤል ሃይለ ኪዳነ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መደብ፡ 135 ሰባት ነተን ታኒካታት ከም ዝወሰድወንን፡ ካብኣተን 107 ከም ዝተመልሳ፡ ካብኣተን ድማ $25 ሺሕ ዶላር ክእከም ከም ዝተኻእለ መንእሰይ ዳንኤል ሓቢሩ።
ቅጥዒ