ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ተዘኪሩ ውዒሉ


መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ 20 ሰነ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ብዝተኻየደ ዛዛሚ ስነ-ስርዓት ተዘኪሩ ውዒሉ። ምስቲ ዕለት ተኣሳሲሩ በበይኑ ንጥፈታት ክካየድ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ንላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ህዝቢን ዝሓቘፈ ካብ ሓወልቲ ሽዳ ናብ መቓብር ሓርበኛታት ጸጸራት እውን ሓጺር ጕዕዞ እግሪ ተኻይዱ'ዩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ነቲ ዕለት ዘኽብር በበይኑ ስነ-ጥበባዊ ስራሓት ድሕሪ ምክያዱ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕንባባ ብምንባር ከም ዝተዘከረ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣመልኪተን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ሰማእታት ፕረዚደንት ኢሳይያስ መደረ ኣስሚዑ እንተዀይኑ መንግስታውያን ምንጭታት ኣይጠቐሱን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG