ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት፡ ብውሕዱ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ጠጠው ብምባል ንጹም ዝብል ጎስጓስ የካይዱ ገለ ኤርትራውያን


ኣብ ጀርመን ዝርከብ ኣንገሶም ኢሳቕ ሓደ ኻብኦም`ዩ

እቲ ጎስጓስ ካብ 1992 ጀሚሩ ብገለ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ኸምዝጀመረ ዝገልጽ ኣቶ ኣንገሶም ኢሳቕ፡ ዕላምኡ፡ “ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ዕለት 19ን 20ን ሰነ፡ ሽጋራን መስተን ገዲፉ፡ ኣብኡ ክውዕል ዝነበሮ ገንዘብ፡ ብመንገዲ ዝኣምነሉ፡ ሃይማኖት፡ ፖሊቲካ ወይ ማሕበር ኣቢሉ ንደቂ ስዉኣት፡ ወይ ስድራቤቶም ክሕግዝ፡ ወይ ተኽሊ ኦም ብምትካል ኣብ ምክልኻል ብከላ ኣከባቢ ከውዕሎ ንምምሕጻን`ዩ “ይብል።

XS
SM
MD
LG