ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ ኤርትራ ንኣል ሸባብ ትሕግዝ እያ ኢላ ንዘቕረበቶ ኽሲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብነፃ ኣካል ንኸፃሪዮ ኤርትራ ሓቲታ


ኬንያ ንኽትግሰፅ’ውን ኤርትራ ሓቲታ’ላ

ኤርትራ ንምልሺያታት ኣል-ሸባብ ትሕግዝ ዝብል ንናይ ኬንያ ኽሲ ኣሉታ ሂባትሉ።ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ተፀዋዒ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣርአያ ደስታ ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ወይ’ውን ንዝኾነ ይኹን ናይ ሱማሊያ ጉጅለ ሓጊዛ ኣይትፈለጥን ኢሎም።

መንግስቲ ኬንያ ኣብ ቐረባ ኤርትራ ንኣልሸባብ ትሕግዝ እያ ክብል ምኽሳሱ ብሕቡራት መንግስታት ንኽግሰፅ ኤርትራ ሓቲታ’ላ።ኣምባሳደር ኣርአያ ደስታ ነቲ ኽሲ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብነፃ ኣካል ንኸፃሪዮ ሃገሮም ምሕታታ’ውን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃለ-ምልልስ ሓቢሮም።

ኤርትራ ንምንታይ ንኣልሸባብ ብፋይናንሳውን ሎጂስትካው ሓገዝ ብተደጋጋሚ ትኽሰስ ኣላ ዝብል ተሓቲቶም ኣምባሳደር ኣርአያ ደስታ ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዘለዋ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ሃግሮም ናይ ዝካየድ ኣሉታዊ ወፍሪ ብድሕሪት ከምዘሎ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG