ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ናብ ኢጋድ መታን ክትምለስ ንኬንያ ሓግዝኒ ትብል


ኣርማ ኢጋድ
ኣርማ ኢጋድ
መንግስቲ ኤርትራ ንፅንፈኛታት ዝህቦ ደገፍ እንተቋሪፁ፣ኤርትራ ናብ ኣባልነት ኢጋድ ንክትምለስ ንዘቅረበቶ ሕቶ ከምትድግፍ ኬንያ ገሊፃ።

ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፍሉይ መልእኽቲ ዝተቀበሉ ፕረዚደንት ምዋዪ ኪባኪ፣ኤርትራ ንፅንፈኛታት ብሕልፊ ንኣል-ሸባብ ትልግሶ ሓገዝ እንተቋሪፃ ደገፍ ኬንያ ከምትኸስብ ኣረጋጊፆምሎም ይብል እቲ ዜና።

ካብ ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ኬንያ ብመሰረት ዝወፀ ሓበሬታ፣ነቲ ናይ ኤርትራ መልእኽቲ ናብ መራሒ ኬንያ ዘቅረቡ፣ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ሰመረ ርእሶም‘ዮም።

ኬንያ ዕርዲ ሰላም‘ቲ ዞባ‘ያ ኢላ ኤርትራ ከምትቅበል ዝገልፅ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንክትምለስ ንዝጀመረቶ ፃዕሪ ኬንያ ንክትድግፋ ኤርትራ ሓቲታ‘ላ።

ፕረዚደንት ኪባኪ ብወገኖም፣ናይሮቢ ንኤርትራ ክትቅበላ ቅርብቲ‘ያ። ግን እዚ ኣዎንታዊ መልሲ ዝረክብ፣ኤርትራ ንዞባዊ ፃዕሪታት ሰላም ንምድጋፍ ፈቃደኛ እንተኾይና ጥራሕ‘ያ ኢሎም።

ኬንያ ሓይልታታ ቅድሚ ዓመት ናብ ሶማልያ ድሕሪ ምእታዎም፣ኤርትራ ኣፅዋራት ናብ ኣል-ሸባብ ኣቀቢላ‘ያ ከምዝበለት ዝዝከር‘ዩ።

ኤርትራ ካብ ኣባልነት ኢጋድ ንነብሳ ዘግለለት፣ሰራዊት ኢትዮዽያ ናብ ሶማልያ ንክኣቱ ደገፍ ኢጋድ ተዋሂብዎ ኢላ ከምዝነበረ ይፍለጥ።ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢትዮዽያ ኣብ ሶማልያ፣ገለ ራእስታት ሶማልያ፣ንኤርትራ ሃዲሞም።እዚ ድማ፣ኤርትራ ፖለቲካዊ ሓገዝ ትገብረሎም‘ያ ዝብል ትርጉም ተዋሂብዎ‘ዩ።

ሕ/ሃ ዘውፀኦ ሪፖርት‘ውን እንተኾነ፣ኤርትራ ዲፕሎስያዊ ሽፋን እናገበረት ንሶማልያውያን ሙስሊማት ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብረሎም‘ያ ከምዝበለ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG