ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኤርትራ ይፍፀም ኣለው ዝተብሃሉ መግስሃስትታት ከፃሪ እዩ


Map of Eritrea
Map of Eritrea

ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ይፍፅዎም ኣሎ ዝተብሃለ ሰፊሕን ስልታውን መግሃስስትታት ክምርምሮ እዩ።ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ኮሚሽን ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ስዊዘርላንድን ጣሊያንን ካብ ዝርከቡ ግዳያትን ካልኦት መሰኻኽርን ካብ ባዕሎም ሓበሬታ ምእካብ ክጅምር እዩ።

ንወታደራዊ ኣገልግሎት ከይምልመሉ ብምስጋእ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዕሊ 6,000 ኤርትራዊያን ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ፀብፃብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ይገልፅ።ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ኣውሮፓ ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝሓቱ ዘለው በዝሒ ኤርትራዊያን እውን ብሰለስተ ዕፅፊ ምውሳኹ UNHCR ኣብ ቀረባ ሓቢሩ’ሎ።

ናይቲ ኮሚሽን ኣቦ መንበር ማይ ስሚዝ እዞም ቁፅርታት ገለ ከቢድ ሽግር ምህላው ዘርኢ ምልክት እዩ ይብሉ።

ክነፃሪዮ ንፍትን ዘለና እቲ ምልክት እዩ ዝበሉ ንሶም እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ሃገሮም ዝወፀ ዘለው መበገሲ ጠንቂ ስለዘለዎም እዩ ኢሎም።’’ሰባት ዝኾነ ጠንዊ ከገጓነፎም ከምቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰባት ዝኣትው ዘለው፣ደሕንነተን ሕልው ብዘይኮና ጀልባታት ንባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝሰግሩ ዘለው ን ንጭንቀት ዝቃልዑ ዘለውን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን’’ኢሎም።

ካብቶም ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታትል ኣባላት ፍሉይ ራፖርተር ሞሪታኒያዊት ሸይላ ኪታሩት ሓንቲ እየን።ንሰን ኣብ ኤርትራ ዝፍፀሙ ዘለው መግሃስትታት ዝኹንኑ ክልተ ፀብፃባት ንናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣቕሪበን እየን።

ንሰንን ናይቲ ራፖርተር ኣባላት ዝኾኑ ካልኦት ክልተ ነፃ ክኢላታት፣ኣውስትራሊውን ጋናዊን ስርሖም ብነፃነትን ብዘይኣድልዎን ከምዝሰርሑ ይገልፁ።

እቲ ኮምሽን ናብታ ሃገር ኣትዩ ናይ ምፅራይ ስርሑ ክዓዪ ፍቓድ ዝሓትት ደብዳቤ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ልኢኹ ምስ ወኪላት መንግስቲ ኤርትራ ጀኔቭ ኣብዝርከብ ቤት ፅሕፈት ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ተራኺቡ እዩ።

እቲ ጉጅለ ንሕትኡ ዛጊድ መልሲ ከምዘይረኸበ ስሚዝ ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።መንግስቲ ኤርትራ መእተዊ ፍቓድ እንተሂቡ ፅቡቕ ምልክት እዩ ይብሉ።

‘’ ንኽንኣቲ እንተድኣ ተሰማሚዖም ንገሊኦም ሽግራት ንምፍታሕ ድልዋት ምዃኖም ሓባሪ ክኸውን እዩ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’እዚ ኣዚዩ ዓብዪ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምኾነ።ክንኣቲ እንተተፈቒዱልና ዝርኣናዮም ሽግራት ሰብኣዊ መሰላት ንምእራም ክውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም ስጉምትታት ክንዘራረብ ምኽኣልና’’ኢሎም።

እቲ ኮሚሽን ሓበሬታ ንምእካብ ዝበፅሖም ቦታታት መሊኡ ከምዘየረጋገፀ ስሚዝ ይገልፁ።እቲ ኮሚሽን ኤርትራዊያን ሓተቲ ዕቑባ ብበዝሒ ናብ ዝርከብሉም ቦታታት ከምዝጉዓዝ ወሲኾም ሓቢሮም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ይፍፀሙ ኣለው ዝተብሃሉ ዝተፋላለዩ ዓይነታት መግሃስቲ ክምርምር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዘፃሪ ኮሚሽን ኣጣይሹ።ከየፃረኻ ምቕታል፣ብሓይሊ ምስዋር፣ብሃበ ተረኽበ ምእሳር፣መስቀይቲ፣ምድራት ስቪላዊ ነፃነት፣ንግዲ ደቂ ሰባት፣ኣንፃር ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ምግባር፣ኣብ ፆታ መሰረት ዝገበረ ዓመፅ ዘጠቓልል መግሃስትታት ይርከብዎም።

እቲ ኮምሽን ብምርመራ ዝረኸቦ ውፅኢት ኣብ ዝቕፅል መጋቢት ናብቲ ቤት ምኽሪ ብቃል ከቕርብ እዩ፤ናይ መወዳእታ ፀብፃቡ ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ከቕርብ እዩ።

XS
SM
MD
LG