ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ፡ ተጠቀምቲ እንተርነት ቅልጣፈ ዚሑልና ኢሎም የማርሩ


ናህሪ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ፡ ሓደ ኻብ ምኽንያታት`ዩ ይብሉ ስበ-ስልጣን

ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት እንተርነት ቅድሚ ዓሰርተ-ዓመት`ዩ ጀሚሩ። ኣብ 5ተ ኸተማታት ድማ ይውሃብ፡-ኣብ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ከረን፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራ።

“ንትምህርቲ ዝኸውን ንምርካብ እንተርነት ኣብ ንውከሰሉ እዋን ንክኽፈተልና ጥራሕ ፍርቂ ሰዓት ይወስደልና” ትብል ሓንቲ ተማሃሪት።

ብመሰረት ሓበረታ ሓላፊ እንተርነትን ተንቀሳቓሲ ተለፎንን ኤርትራ እንጅነር ምሕረተኣብ፡ ሓደ ካብ`ቲ ጸገም፡ ኢንተርነት ካፈታት ካብቲ ዝዓደግኦ ባንድዊዝ ንላዕሊ ናብ ብዙሓት ኮምፒተራት ስለዘከፋፍላ`ዩ።

ካብ ሳታላይት ኢንተርነት ትቕበል ኤርትራ፡ ንዝሓሸ ቕልጣፈ፡ ብባሕሪ ዝሓልፍ ፋይበር ኦብቲክስ ንምትእትታው ብዕቱብ ትሰርሓሉ ኸምዘላ ሰበስልጣን ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG