ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽንብል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ቀጺሉ`ሎ-ጽባሕ ክዛዘም`ዩ


ዛዲድ ኣብ`ቲ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝጀመረ በዓል፡ ካብ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብዎም ኻብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝመጹ ስነ-ጥበበኛታት ይሳተፉ`ለዉ

እቲ ብናይ ጎደናታት ካርኒቫላትን አግዚቪሽናትን ከምኡ`ውን ፍርያት ብዙሓት ሙዚቃታት ዝበዓለ ዘሎ ጽንብል፡ ብዝተፈላለየን ኣብ ዝተፈላለየን ቦታታት ክካየድ ቀኒዩ።

ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዳ ዝተሳተፈት 31 ኣባላት ዘለውዋ “ኡሞጃ” ዝተባህለት ጉጅለ ባህሊ፡” “The Spirit of Together” ዘርእስቱ ዘቕረበቶ ምርኢት ንብዙሓት ከምዝመሰጠ ተዓዝብቲ ይገልጹ።

ካብ ጀርመን፡ ኡጋንዳን ሱዳንን ዝመጹ ሙዚቀኛታት`ውን ኣብ ጎደናታትን ኣዳራሻትን ኣስመራ ምርኢቶም ኣቕሪቦም። ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን`ውን ከምኡ።

መበል 20 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ዝሓለፈ 13 ግንቦት`ዩ ክብዓል ጀሚሩ። እቲ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝፈለመ ጽንብል ናጽነት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብውዕዉዕ ኣገባብ ይካየድ ኣሎ ትብል ሰናይት ሃብቱ።

ንወ/ት ናጽነት ንምሕራይ ዝተገብረ ሃገራዊ ናይ ጽባቐ ውድድር`ውን ብቐዳም ተዛዚሙ`ሎ። ተዓዋቲት ዮርዳኖስ ሉሉ ኮይና`ላ።

መዛዘሚ ናይ`ዚ ኹሉ ክካየድ ዝቐነየ ፈስታታት ሎሚ ለይቲ ርችት ምስ ተተኮሰ፡ ጽባሕ 24 ግንቦት ድማ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ክበዓል`ዩ።

ንምሉእ ጸብጻብ ሰናይት ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG