ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ናዕቢ ከላዓዕል ይሰርሕ 'ሎ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ


ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምስ ዓለም-ለኸ ቤት-ፍርዲ ገበን ተመሳጢሩ፣ኣብ ኤርትራ ከም‘ቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ከላዓዕል ይሰርሕ ከምዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ንቮኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብሰለልቲን ተላኣኣኽቲን ተጠቂሙ ቅድም ኣብ ኣስመራ ቀፂሉ ኣብ መላእ ኤርትራ ነውፂ ኣላዒሉ ንመንግስቲ ንምዕላው ፈቲኑ ነይሩ ግን ኣፍሺልናዮ ኣለና ይብሉ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓላፊት ክፍሊ መፅናዕቲ ኤርትራን ኢትዮዽያን ክለየር ቤስተን፣ንመግለፂ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢብክዮ‘ዶ ዝብል ቀዳማይ ሕቶ ኣቅሪብናላ ”መንግስቲ ኤርትራ ኣንፃር ኣምነስቲ ዘውፀኦም ክልተ ክስታት ኣንቢበዮ‘የ። ኩሎም ክስታት መሰረት-ኣልቦን መስሓቅን ኮይኑ‘የ ረኺበዮ” ትብል።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ መንግስቲ ኤርትራ ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብተኸታታሊን ነዊሕን መግለፂታት ዘውግዝን ዝኸስስን መግለፂታት ከውፅእ ዝኻኣለሉ ቀንዲ ምኽንያት‘ዳኣ እንታይ‘ዩ ትብሊ? ንክለይር በስተን ዝቀረበ ሕቶ‘ዩ።

”እቲ ክሲ ኣዝዩ መስሓቅ ስለዝኾነ፣ስለምንታይን ካበየናይ መኣዝንን ይመፅእ ከምዘሎ ንምንፃር ኣፀጋሚ‘ዩ።ሓደ ነገር ግን ንፁር‘ዩ።ኣብ ኤርትራ ከቢድ ስጉምቲ ዝተወሰደሉ መበል ዓስራይ ዓመት ዝዝከረሉ ወቅቲ ምኻኑ‘ዩ። ዓሰርተ ዓመት ከም‘ዛ ናይ ቅድሜና ሰንበት፣፲፩ ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ተኣሲሮም፣ኩለን ጋዜጣታት ተዓፅየን ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም። እቶም ዝተኣሰሩ ሰባት፣ምስ ቤተ-ሰቦም፣ምስ ጠበቃ ኣይተራኸቡን።ክሳብ ሎሚ ናብ ፍርዲ’ውን ኣይቀረቡን።ስለዚ ዓስራይ ዓመቶም ዝዝከረሉ ዕለት ይቀራረብ ስለዘሎ፣መንግስቲ ኤርትራ ንትኹረት ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ከብል‘ዩ ዝፍትን ዘሎ።ብኣንፃሩ ዓስራይ ዓመት ማእሰርቲ‘ቶም ሰባት፣ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘጉልህን፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ሰባት ከይተበየኖም ይእሰሩ ከምዘለውን መጠነ-ሰፊሕ መግሃስቲ መሰላት ከምዘሎን‘ዩ ዘርኢ” ኢላ።

XS
SM
MD
LG