ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብታ ካብ ሊብያ ብ'22 መጋቢት ዝተበገሰት ጀልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ሞይቶም'ዮም ዝብል ፍርሒ'ሎ


ኣብ ዝሓለፈ 22 መጋቢት ካብ ሊብያ ትሪፖሊ ብጀልባ ናብ ጣልያን ንምስጋር ዝተበገሱ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 335 ሰባት ሞይቶም'ዮም ዝብል ፍርሂ ሓዲሩ'ሎ።

እታ ካብ ታጁር ዝበሃል ቦታ ብወጋሕታ ከምዝተላዕለት ዝተነግረላ ጀልባ ንመዓልታት ደሃያ ጠፊኡ ድሕሪ ምቅናይ ኣብዚ ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ሬሳታት ኣብ ገማግም'ቲ ባሕሪ ክርአ ከምዝጀመረን ገለ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ሬሳታት ናይ ገለ ካብአቶም ኣብታ ጀልባ ተሳፊሮም ዝተበገሱ ምኻኑ ኣብ ትሪፖሊ ዘለው ዝፈልጥዎም ኣለልዮም'ለው።

እቲ ቅልውላው ሊብያ ምስ ጀመረ ናብ ሃገሮም ብፍቃዶም ክምለሱ ዝደልዩ ክምዝገቡ ሓበሬታ ዘርጊሕና ዝተመዝገበ'ውን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ'ዩ ዝበለ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ'ኩነታት ምስ ሰምዐ ነቲ ኩነታት ካብ ፖሊስ'ታ ሃገር ካብ ዝተረኽቡ ሬሳታት ዝረኸቦ ሰነዳት እንተልዩ እቶም ሰባት ኣብታ ጀልባ ከም ዝተሳፈሩ ካብ ዝፈልጡን ዝረኸቦ ሓበሬታን ስሞም ኣብ ምእካብን ከምዘሎን ሙሉእ ሓበሬታ ምስ እከበ ከምዝገልፀልና ቃል ኣትዩልና'ሎ።

ዛጊድ ብዘሎ ኣንፈታት ግን እቲ ሓደጋ ከምዘጋጠመ'ዩ ዘርኢ'ውን ክብሉ ሓደ በዓል-ስልጣን'ቲ ኤምባሲ ገሊፆም'ለው።

ንኩነታት'ቶም ስደተኛታት ክትከታተል ዝፀንሐትን ዘላን ኣብ ሎንደን ትነብር ኤልሳ ጭሩም ዛጊድ ኩሉ ዝርዝር ኣስማት'ቶም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ከምዝሓዘት ገሊፃ ሓበሬታ ንዝደሊ ትህብ ከም ዘላ ገሊፃትልና'ላ።

ሙሉእ"ቲ ፃብፃብ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም

XS
SM
MD
LG