ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለፈ ብይን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ መዘራረቢ ኮይኑ


ዶክተር ምሕረትኣብ ገብርሂወትን ኣቶ ሰመረ ከሰተን
ዶክተር ምሕረትኣብ ገብርሂወትን ኣቶ ሰመረ ከሰተን

ዶክተር ምሕረትኣብ ገብርሂወት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሓሲቡ ዝነበረ ንመራሕቲ ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ናይ ምምርሖም መስርሕ ከምዝፈሸለ ገሊጹ። እዚ ማለት ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ገና ቀጻሊ ተጻብኦታት ዘይተርፍ ምዃኑ ብምሕባር ብዙሕ ስራሕ ከምዝሓትት ኣረዲኡ። ዶክተር ምሕረትኣብ ገብርሂወት ኣብ ቺካጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምቕማጡ ተመራማሪ ታሪኽን ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታዩ።

በዓል ሞያ ማሕበራዊ ፍትሕን ፕረዚደንት ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝነበረን ኣቶ ሰመረ ከሰተ ብወገኑ: ውጽኢት ብይን ሰብኣዊ ጉዳያት ኤርትራ ብኣወንታ’ዩ ዝራኣይ ይብል።

"እቲ ጉዳይ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ምምርሑ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣብ ፍጹም ክከሓድ ዘይክኣል ኣሻቓሊ ደረጃ ምዕራጉ ጥራይ ዘይኮነ መላእ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃበሉ ምዃኑ ሓባሪ’ዩ" ድማ ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓለፈ ብይን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ መዘራረቢ ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:07 0:00

ብ ቪድዮ ስካይፕ ዝተኻየደ ሙሉእ ቃለ መጠይቕ ክልቲኦም ኣጋይሽ ኣብዚ bit.ly/29jNVAq ምክትታል ይከኣል። ​

XS
SM
MD
LG