ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ብዛዕባ ኤርትራ ዘውጸኦ ሪፖርት


UNHRC
UNHRC
ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሕ/ሃ ዝቀረበ ሪፖርት ሎሚ ወግዓዊ ኮይኑ።

ሸይላ ኪቱሪት ነቲ ሪፖርት ዘቅረባ፣ኣብ ጎረባብቲ ኤርትራ ምስ ዝነብሩ ስደተኛታት ድሕሪ ምዝርራበን ካብ ጎረባባቲ ሃገራት ሓበሬታ ድሕሪ ምእካበንን‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ሪፖርት ዝተጠቅሱ ከበድቲ ግህሰት መሰላት፣ቅትለት፣ኣስገዳድ መስወርቲ፣ኣሲርካ ምስ ካልእ ሰብ ንከይራኸቡ ምግባር፣ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምእሳር፣ምስቃይ፣ካብ ሰብኣዊነት ወፃኢ ዝኾነ ኣተሓሕዛ እሱራትን ካልኦትን ዝሓቆፈ‘ዩ።

ሸይላ ኪቱሪት፣ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝማሓየሸሉ ኣገባብ‘ውን ንኤርትራን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ሓቢረን‘ለዋ።

እተን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ናብ ኤርትራ ኣትየን ብዓይነን ክሪኣ ንዘቅረበኦ ሕቶ ብኤርትራ ከምዝተነፀገ ገሊፀን‘የን።ቅድሚ ሎሚ ምስ ቪኦኤ ቃለ-ምልልስ ዘካየዱ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ግና፣እተን መርማሪት፣ንዝተዳለወ ሪፖርት ስለዘቅርባ፣ናብ ኤርትራ ምእታወን ትርጉም የብሉን ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።
XS
SM
MD
LG