ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ክሰብር ተባሂሉ ብኤርትራውያን መንእሰያት ዝተሳእለ 7.166 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓታ “ካብ ብከላ ነጻ ዓለም” ዝተሰምየት ቅብኣ ብደረጃ ዓለም ክብረ-ወሰን ብምሓዝ ኣብ መጽሓፍ ጊነስ ሰፊራ።
እዛ ካብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ ከም ዝተዋፅኡ ብዝተነግረሎም 827 ትሕቲ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝተዳለወት ቅብኣ፡ ነቲ 6 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ተመሳሳሊ ቅብኣ
ብምቕራብ ሜክሲኮ ሒዛቶ ዝጸንሐት ክብረ-ወሰን ብምስባር’ያ ነዚ ክብሪ’ዚ በቒዓ።
ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ