ኣብ ለንዶን ዝርከብ ኢምባሲ ኤርትራ ኾነ፡ በዓልቲ ቤት ኣቶ ናይዝጊ፡ ነቲ ዜና-ዕረፍቲ እንተረጋገጹ`ኳ፡ ብዛዕባ ምምላስ ኣስከሬን ኣቶ ናይዝጊ ግና ክዛረቡ ፍቓደኛት ኣይኮኑን።
ብዝኾነ ግን፡ ብዛዕባ`ቲ ኹነታት ናታቶም ነጸብራቕ ክገልጹልና፡ ምስኡ ነዊሕ ዝተጋደለ ኣቶ መስፍን ሓጎስን፡ ኣብ 80`ታት ኣብ ኣልጀርያን ኣብ ቀረባ ኣብ ለንደንን ዝፈልጦ ኣቶ ሱሌማን ኣደምን ኣዘራሪብና`ለና።
ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ 70`ታት ካብ ኣመሪካ ንሜዳ ከምዝወጸ፡ ኣብ ኤርትራ ሓላፊ ጸጥታን፡ ሓላፊ ሚንስትሪ ዜናን፡ ኣብ ሩስያ ኣምባሳደር ኤርትራ ኾይኑ ከምዘገልገለ ይግለጽ።
ጸብጻብ ድምጺ ኣመሪካ ዝሓዘ ምሉእ ፕሮግራም ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡