ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ብዛዕባ ዳግመ ተሓድሶ ኣፍሪቃን ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ምዝራብ ቦትኡ ዝሰሓተን ዘይብሱል ዘረባ’ዩ` ሚንስትር ዑስማን ሳልሕ


ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ
ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ

ኣፍሪቃ ሎሚ’ውን ካብ ኩለን ኣህጉራት ዝተገለለት’ያ ዝበሉ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዛዕባ ዳግመ ተሓድሶ ኣፍሪቃን ቕልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ምዝራብ፡ ቦትኡ ዝሰሓተን ዘይብሱል ዘረባን’ዩ ኢሎም።

ኣብ’ዛ ዝያዳ ዘይርግእቲ ዘይፍትሓዊትን ዘይምዕርይትን ዓለም ንነብር አለና ክብሉ መደረኦም ዝጀመሩ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ፍልልያትና ዓሚቕ’ዃ እንተኾነ፡ መጻኢ ዕድላትና፡ ዝተኣሳሰረ`ዩ፡ ኣብ ሰፊሕ ውቕያኖስ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጀልባ ተሳፊርና ንርከብ ኣሕዛብ ኢና ኢሎም።

ኣብዛ ናይ ሓባር ዝኾነት ዓለም ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ኩላትና ሓላፍነት ኣለና ዝበሉ አቶ ዑስማን፡ እቶም ዝያዳ ሓይልን ሃብትን ዘለዎም ወገናት፡ ዝያዳ ሓላፊነት ከምዝሽኸሙን፡ ሓይሊ ነባርነት ከምዘይብሉን ክነዘኻክሮም ግቡእ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣፍሪቃ ሕጂ’ውን ዝያዳ ዝተገለለት ኣህጉር ምዃና መዲሮም።

ሚንስትር ዑስማን ኣብቲ ዝሓለፈ ቐዳም ንመበል 72 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ፡ ንኹነታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኩነታት ቁጠባን መደባት ትሕተ ቅርጺ ኤርትራን ሒዛቶ ዘላ ኣንፈት’ውን ተዛሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ መደረ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG