ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

”ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮዽያ መጥቃዕቲ ኣውሪድና” - ደባይ ተዋጋእቲ


ERITREA
ERITREA
ግንባር ሓርበኛታት ህዝቢ ኢትዮዽያ ዝተባሃለ ጉጅለ ዕጡቅ፣ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ኢትዮዽያ ጉድኣት ኣውሪደ‘ለኹ ይብል።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ፣መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዘዋፈረቶም ዕጡቓት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዝተኻየደ ውግእ ሙሉእ ብሙሉእ ተደምሲሶም ምስ ዝበሎ ዝገራጮ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ጉጅለ 24 ግንቦት 2005 ዓ/ምን ብዝፅባሒቱ 25 ግንቦትን ምስ ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ን192 ወታደራት ቐቲሉ ን440 ድማ ኣቑሲሉ ክብሉ ናይቲ ግንባር ሓላፊ ፖለቲካ እየ ዝበሉ ኣቶ ኑር ጀባ ሓቢሮም።

24 ግንቦት 2005 ዓ/ም ልጉዲ ኣብዝተብሃለ ቦታ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ን44 ቐቲለን ን66 ኣቑለን ይብል።ብፅባሒቱ 25 ግንቦት ድማ ‘’ኣብ ሑመራ ፍሉይ ሽሙ በረኸት ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ቦታ እቲውግእ ተጠናኺሩ ምስቐፀለ 148 ወታደራት ዝሞቱ 374 ድማ ዝቖሰሉን 31 ክላሽን ኮፍ ጥበንጃ፣ሸውዓተ ቦምብ፣ክልተ ዓሊሙ ዝትኩስ ስናይፐርን ሰለስተ መትረየስን ዝማረኽናሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።’’

ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ዘልዓሎም ሕቶታት ብሓፈሻ ብሰላማዊ መንገዲ ምላሽ ስለዘይረኸቡ እቲ ዘሎ መማረፂ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

እቲ መንግስቲ ምስ ወደቐ ኩሉ ኢትዮጵያዊያ ዝሓቖፈ ናይ ስግግር መንግስቲ ብምምስራት ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ብምክያድ ህዝባዊ መንግስቲ ዝጣየሸሉ ኩነታት ምምችቻው እዩ ኢሎም ኣቶ ኑር።

ብቀንድነት ወታደራዊ ምንቅስቓሱ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ኣብ ኤርትራ ቤት ፅሕፈት ከምዘለዎምን ኣረጋጊፆም።

ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝለኣኾም ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ስሙ በረኸት ኣብዝተብሃለ ቦታ ብዝተኻየደ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ተደምሲሶም ክብል ትማሊ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ምግላፁ ምፅብፃብና ይዝከር።

እዚ ዜና‘ዚ፣ምስ‘ቲ ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ፣መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዘዋፈሮም ዕጡቃት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን ውግእ ተኻይዱ፣ እቲ ጉጅለ ዕጡቃት ሙሉእ ንሙሉእ ተደምሲሱ‘ሎ ዝበሎ ዜና ዝጋራጮ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG