ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ `ደሞክራሲ` ኣፋዊ`ዩ ይብሉ ክልተ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ መንግስታት ዝኽተልዎ ዘለዉ ፖሊሲታት ግጉይ`ዩ ዘሎ ብምባል`ውን ይነቕፉ

ኣቶ ሃይለማርያም ወልዳይ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ኢትዮጵያዊ`ዩ፡ ኣቶ ተስፋገብሬል እምባየ(ሕፉን) ድማ ኣብ ዋሺንግተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ።

ክልቲኦም ነንመንግስታቶም ብ ምጉዳል ደሞክራሲ፡ ሓሳብካ ናጻ ምግላጽን ኤኮኖሚያዊ ፖሊሲን ይነቕፍዎም።

ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ትግራይ ንውሑዳት ዘገልግል ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ኣሎ ይብል። ኣቶ ተስፋገብሬል ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ብናጻ ጉልበት ዝስራሕ ዘሎ ህንጸት ማሕበራዊ ምዝንባል የስዕብ ኣሎ ይብል።

ንምሉእ ማለት 10 ዲቒቕ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG