ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲዛይነራት ስነ-ጽባቐ ኣስመራን መቐለን ብዛዕባ ዓወታቶም የዋግዑ


ኣብ ኣስመራን መቐለን ብርክት ዝበላ ወይዘራዝርቲ ከምዘፍረዩ ዝገልጹ ልኡል ተኽለ(ዓይኒ) ካብ ኣስመራ፡ ስርጸብርሃን ታደሰ ካብ መቐለ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንወይዘሪት ዓለም (Ms. World) ንምስታፍ ብደረጃ ክልቲአን ሃገራት ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብ Fine Art ከምዝተመረቐ ዝገልጽ ዓይኒ፡ ክሳብ ሎሚ ንወ/ት ኣስመራ፡ ወ/ት ኤርትራ ከምኡ`ውን ንወ/ት ኣፍሪቃ ውሽጣውን ግዳማውን ጽባቐ ዘለወን ከምዘወዳደረ ይገልጽ። ኣብ`ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤውሮጳ ብዝመጸት ክለብ ሽኮሪና ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ስነ-ጽባቐ፡ Ms Denmark ኾይና ዝጸንሐት ኤርትራዊት ኣብ ኣስመራ`ውን ከምዝሰዓረት ገሊጹ።

ብኪነ-ጥበብ ከምዝተመረቐ ዝገልጽ ሰርጸ ታደሰ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ወ/ት ናይ ውልቂ-ኮለጃትን ወ/ት ካምፓኒታትን ዝብሉ ወድድራት ከምዘተኣናገደ ድሕሪ ምግላጽ፡ ወ/ት መቐለን ወ/ት ትግራይን ንምምራጽ`ውን ሓደስቲ ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ሓቢሩ`ሎ።

ክልቲኦም ኣጋይሽ፡ ኣብ ልዕሊ ውድድር ስነ-ጽባቐ ዝነበረ ናይ ባህሊ ጸቕጢ ከምዝተቐንጠጠን፡ ሎሚ ወለዲ ከይተረፈ ዘተባብዕዎ ሞያ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን ይሰማምዑ።

ቀዳማይ ክፋል`ቲ ዕላል ንምስማዕ ኣብ`ቲ ምልክት ድምጺ ጠውቑ

ካልኣይ ክፋል`ዚ መደብ፡ ረቡዕ 4ተ ነሓሰ 2010 ክመሓላለፍ`ዩ።

XS
SM
MD
LG