ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ጥዕና ፣ ብዛዕባ ሕማም 'ዌልካም' ካብ አሰመራ፣ ቤተ “ሞሪንጋ” ኣብ ከተማ መቐለ ሒዙ'ሎ


ደንገይ Fever ብመንከስቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም እዩ። ኣብ ኤርትራ ዌልካም ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ኮይኑ ምስ ሕማም ዓሶ ከምዝመሳስል ይእመነሉ።ሰናይት ብዛዕባዚ ንሓደ ዶክተር ካብ አስመራ ኣዘራሪባ ዝለኣኸቶ ፀብፃብ ን፣

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኸፈተ ፈላማይ ቤተ “ሞሪንጋ” ተኽሊ ሞሪንጋ ምስ ዝተፈላለየ ምግብን መስተን ሓዊሱ ብምሻጥ ፅቡቕ ተቐባልነት ይረክብ’ሎ፡ ዝብል ኸአ ካብ መቀለ ግርማይ ገብሩ ናይ ሎሚ መደብ ጥዕና'ዩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ወይዘሮ ኣበባ ኣያሌው ዝኸፈተኦ ፈላሚ ቤተ “ሞሪንጋ” ሞሪንጋ ዝተባሃለ ተኽሊ ምስ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መስተን ምግብን ሓዊሰን ንተጠቀምቲ ብምቕራብ ፅቡቕ ተቐባልነት ይረኽባ ኣለዋ፡፡

ወይዘሮ ኣበባ ቅድሚ ኹሉ ሞሪንጋ ባዕለን ተጠቒመን ኣብ ጥዕናአን ርኡይ ለውጢ ድሕሪ ምርካበን ንኣጋይሸን ከላልያ ከምዝመረፃ ይዛረባ፡፡

መምህር ኣልማዝ ኣብርሃ ብፍላይ ኣብ ኣጠቓቕምኡ ካብ ወይዘሮ ኣበባ ብዝረኸበኦ ሓበሬታ ኣቢለን ምስ ምሉእ ስድረአን ሞሪንጋ ኣብ ፈሳስን ኣብ ፀብሕን ሓዊሰን ክምዝጠቀማን ልዑል ጥዕናዊ ረብሓ ክምዝረኸባሉን ይገልፃ፡፡

ኣይተ ለገሰ በርሀ ተኽሊ ሞሪንጋ ተጠቒሞም ድፍኢት ደምን ምስ ኩሊት ዝተታሓሓዘ ዝነበሮም ጥዕናዊ ፀገምን ክቕረፍ ምኽኣሉ እዮም ዝዛረቡ፡፡

ኣይተ በርሀ መናሰቦ ብወገኖም ሞሪንጋ ስርዓት ድቃስ ከም ዘስተኻኽልን ተወሳኺ ሓይሊ እውን ከምዝህብን ምስክርነቶም ይህቡ፡፡

ወናኒት ቤተ “ሞሪንጋ” ኣብ ከተማ መቐለ ወይዘሮ ኣበባ ኣያሌው ንቐፃሊ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ሞሪንጋ ብሰፊሑ ንምልላይን ረብሕኡ ናብ ዝላዓለ ብርኪ ከሰጋግረኦ ድቃስ ስኢነን ይሓስባሉ ምህላወን ገሊፀን ኣለዋ፡፡

ሞሪንጋ ዝተባሃለ ተኽሊ ንልዕሊ 300 ዓይነታት ሕማም ከምዝፍውስ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ይዝረብ፡፡

ሙሉእ ፀብፃብ ክልቲኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG