ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ከተማ ሳንሆዜ


ካብቲ ዘፈላልየና እቲ ዘራኽበና ይበዝሕ ይብሉ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣቶ ብርሃነ ገብረንጉስን ኣቶ ኣዋሽ ገብረሚካኤልን

ኣብ ክፍለ-ግዝአት ካሊፎርንያ ከተማ ሳንሆዜ ኣብ መንጎ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን
ፅቡቅ ምሕዝነት ንኽህሉ ዝፅዕር ምሕዝነት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝብል ኣኼባ ን'3ይ ጊዜ ተኻይዱ።

ዕላማ'ቲ ኣኼባ ካብ ፖሎቲካ ወፃኢ ንኽልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዘራኽቦም ጉዳያት ብምትኳር ተኸባቢሮም ንኽነብሩ ኣብ ዘኽእሎም ሓሳባት ንምምይያጥ ምኻኑ ዝገለፁልና ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣቶ ብርሃነ ገብረንጉስን ኣቶ ኣዋሽ ገብረሚካኤልን እቲ ምሕዋይ ቁስሊ ዝብል ሓሳብ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ተቀባልነት ይረክብ 'ሎ ኢሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ምሁራት ምሁራዊ ምኽሮም ንኽህቡ ዝገብር ምድላው'ውን ከም ዝሓቁፍ ተዛሪቦም።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG