ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቲር ወፃኢ ኤርትራ ሕ/ሃ ዘይሕጋዊ ጎበጣ ኢትዮጵያ ንክብቅዕ ግቡኡ ኣይፈፀመን ኢሎም


ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ/ሃ
ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ/ሃ

ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕ/ሃ መደረ ዘስምዑ ምንስቲር ወፃኢ ኤርትራ ኣቶ ኦስማን ሳልሕ፣ሕ/ሃ ነቲ ”ዘይሕጋዊ ጎበጣ መርየት ኤርትራ” ዝበልዎ ተግባር ኢትዮጵያ ከብቅዕ ኣይሓገዘን ኢሎም ወቂሶም።ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣቶ ስዩም መስፍን ብወገኖም ኤርትራ ንብርክት ዝበላ ጎረባብታ ከምዝወረረት ጠቂሶም።

ኣቶ ኦስማን መሓመድ ኣብ መበል 65 ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ/ሃ ትማሊ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፣ነቲ ቀፂሉ ኣሎ ዝበልዎ ናይ ኢትዮዽያ ምጉባጥ ሉኣላዊ መርየት ኤርትራ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ሸለል ኢሉዎ‘ሎ ኢሎም ንሕ/ሃ ወቀሱ።

ንሶም ኣብ ዘረባኦም ኢትዮዽያ ንሉኣላዊ ግዝኣት ኤርትራ ጎቢጣ ሒዛ ምፅናሓ ንዝህልዎ ሓደገኛ ሳዕቤን ሸለል ኢሉዎ‘ሎ።8 ዓመታት ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮዽያን፣3 ዓመት ድሕሪ ኮምሽን ዶብ ስርሑ ዛዚሙ፣ውፅኢት ስርሑ ንሕቡራት ሃገራት ምርካቡ፣ዘይሕጋዊ ጎበጣ ኢትዮዽያን ናይ ሕ/ሃ ስቅታን ማለት ቀፃላይነት እቲ ተፃብኦ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮዽያን ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ንፀጥታ‘ቲ ዞባ ድማ ይሓላልኾ‘ሎ ኢሎም።

ኢትዮዽያ ንኣድማሳዊ ሕጊ ክተኽብርን ንዞባዊ ፀጥታን ሰላምን ስግኣት ካብ ምኻን ንክተብቅዕን ዘሐግዝ ህፁፅ ስጉምቲ ንክውሰድ ኤርትራ ትፅበ‘ያ ዘላ ኢሎም ኣቶ ኦስማን ሳልሕ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ሎሚ ረቡዕ መደረ ዘስምዑ ምንስቲር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣቶ ስዩም መስፍን፣ኤርትራ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ንብዙሓት ጎረባብታ ሃገራት ወሪራ‘ያ ኢሎም።

መርበብ ሓበሬታ ሕ/ሃ ኣብ ፀብፃቡ፣ኣቶ ስዩም መስፍን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወረራ ድሕሪ ምፍፃሙ ሰራዊቱ ፍፁም ስዕረት ኣጋጢሙዎ‘ዩ ከምዝበሉ ገሊፁ።ንሶም ወሲኾም፣ኤርትራ ነቲ ቻርተር ጥሒሳ ባዕላ ድሕሪ ንኢትዮዽያ ምውራራ፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዝተወረረት ንክተምስል ኣንፃር ኢትዮዽያ ወፍሪ ከፊታ‘ላ ኢሎም።

ድሕሪ ብይን ኮምሽን ዶብ‘ውን እንተኾነ ይብሉ ኣቶ ስዩም መስፍን፣ ኢትዮዽያ ምስ ኤርትራ ኮፍ ኢላ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጉዳያት ንክትላዘብ ቅርብቲ‘ኳ እንተነበረት ኤርትራ ፈቃደኛ ክትከውን ኣይካኣለትን ኢሎም።

ኢትዮዽያ ንናይ ኤርትራ መርየት ጎቢጣ‘ላ ዝብል ናይ ኤርትራ መግለፂ ምህዞ እዩ ዝበሉ ስዩም መስፍን፣ምስሕሓብ ኣብ ዘጓንፈሉ እዋን ካብ ክልቲኤን ሃገራት ውክልና እንተዘይረኺቡ ሕ/ሃ ናይ ምድናይ ስልጣን የብሉን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG