ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ - ሱሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ኤርትራ፣ ግብጺን ሶማልን ኣብ ኣስመራ


somalia, eritrea and egypt
somalia, eritrea and egypt

መራሕቲ ኤርትራ፣ ግብጺን ሶማልን ኣብ ምኽባር ሉኣላውነትን ምቅላስ ግብረሽበራ ኣብ ሶማልን ንምህናጽ ትካላዊ ኣቃውማ ሶማል ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስምማዖም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ዋዕላ ሓቢሮም።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ 10 መስከረም 2024 ኣብ ኣስመራ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ድሕሪ ዘካየድዎ ሱሉሳዊ ዋዕላ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ “ዓቅሚ ትካላት መንግስቲ ሶማል ኣብ ምዕባይን ፌደራላዊ ሓይሊ ምክልኻል ሶማል ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ግብረ ሽበራ ክገጥምን ከምኡ'ውን ብኹሉ መዳይ ብባሕርን መሬትን ዘሎ ዶባቱን ግዝኣቱን ንኽሕሉ ዘኸእሎ ዓቅሚ ኽህልዎ ንምሕጋዝ ውህደትን ምትሕብባርን ሰለስቲአን ሃገራት ክዓሙቅ” ምስምመዐን ገሊፀን።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ሰለስቲአን ሃገራት “ንሉኣላውነት፣ ናፅነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት እቲ ዞባ ከምዘኽብሩን ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝቃወሙ” ምግላፆም ተሓቢሩ'ሎ።

ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ልኡኽ ግብጺ ንሚኒስትር ሃገራዊ ደሕንነት፣ ሓላፊ ካቢኔ ሚኒስትራትን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ሓዊሱ ኣብ ኣስመራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ምክያዱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG