ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲጋታት ደቡባዊ ኤርትራ ዓሳ የፍርዩ፡ ጣንጡ ዘጥፍኡ ዓይነት ዓሳ`ውን ይዝርኣሎም


Dam Mai-Sirwa
Dam Mai-Sirwa

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኤርትራ፡ 11 ዲጋታት ዓሳ ከፍርዩ ከምዝጀመሩን፡ ተጠቀምቲ`ውን ካብኣቶም ዓሳ እናገፈፉ ንመግቦም ይጥቀሙ ከምዘለዉ ወኪል ሚንስትሪ ዓሳ ንቪኦኤ ገሊጹ

ኣቶ ረዳእ ክፍሉ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኤርትራ 21 ከይነጸፋ ዝጸንሓ ዲጋታት ከምዘለዋ ይገልጽ፡ ካብኣተን ኣብተን 11 ዲጋታት ዓሳታት ኣእቲዮምለን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉ ሓቢሩ። እቶም ዓሳታት ካብ ብሕሪ ዝመጹ ዘይኮኑስ ናይ ጥዑም ማይ ዓሳ`ዮም ዝበለ ኣቶ ረዳእ፡ መንእሰያት ዓንቃሪቦ ሒዞም ክገፉ ዝርኣዩ`ለዉ ኢሉ።

ብዘይካ `ዚ፡ ኣብ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ደቐቕቲ ዓይነት ዓሳ ኣብ`ቲ ዲጋ ተዘሪኦም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ እዞም ንመግብነት ዘይኮኑ ዓይነት ዓሳ፡ ኣንቋቑሖ ጣንጡ ዝምገቡ`ዮም ኢሉ።

ንምሉእ መደብ ሕርሻ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG