ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ውድድር ኤሪ-ጁንየ ኤርትራ 2025 ተኻዪዱ


ሃገራዊ ውድድር ኤሪ-ጁንየ ኤርትራ 2025 ተኻዪዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00

ሃገራዊ ውድድር ኤሪ-ጁንየ ኤርትራ 2025 ተኻዪዱ

ብሃገራዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ኤርትራ ዝተወደበ ሃገራዊ ውድድር ኤሪ -ጁንዮር 2025፡ ካብ 1-2 ለካቲት 2025 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከተማ ምጽዋዕ ተኻይዱ።

ኣብቲ ቀዳም 01 ለካቲት 2025 ንግሆ ኣብ መስመር ምጽዋዕ ጊንዳዕ በጺሕካ ምምላስ ዝተኻየደ ናይ 132 ኪሎሜተር፡ ሰንበት 02 ለካቲት ድማ ኣብ ውሽጢ ከተማ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ናይ 110 ኪሎሜተር ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ሚልክያስ ዳንኤል ካብ ጋንታ ትጽቢት-ዛራ ብናይ ውህሉል ነጥቢን ናይ ግዜን፡ ቐዳማይ ብምዃን ድርብ ዓወት ብምምዝጋብ ብጸብለለታ ብምዕዋቱ ክልተ ማልያን 2 ወርቂ መዳልያን ዓቲሩ። ኤፍሬም ዘርእጋብር ናይ ጋንታ ናትና፡ ኬቨን ኤፍሬም ካብ ጋንታ ሓርነት 2ይን 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ተሸሊሞም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG