ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኣዋሳ-ኢትዮዽያ ንልዕሊ ሰሙን ዝሰላሰል ዘሎ ጉባኤ ኮምሽን ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ፣ንክዛዘም ሓደ መዓልቲ ይተርፎ።ምስ ኣቀባሊ ቃል‘ቲ ኮምሽን ቃለ-ምልልስ ተካይዱ‘ሎ። ከምኡውን ካብ‘ቲ ጉባኤ ተገሊለ ዝብል ኣቶ ዳንኤል ተወልደ ኣዘራሪብናዮ‘ለና።
ኣቀባሊ ቃል እቲ ጉባኤ ኣቶ ቶውፊቅ ንሩሕሴን መሓመድ፣ሃገራዊ ጉባኤ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ኤርትራ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ መዓልታት ድሕሪ ፅዑቅ ክትዕ ሰለስተ ሰነዳት ማለት ቻርተር መሰጋገሪ መንግስቲ፣ሕገ-ህንፃን ሮድ ማፕን ምትዕርራይ ገይሩ ኣፅዲቁ‘ሎ ይብል።
ኣብ ልዕሊ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ግና ናብ ምርድዳእ ስለዘይተበፅሐ ተነፂጉ‘ሎ።እቲ ክትዕ ፅባሕ ክዛዘምን ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክመርፅን ትፅቢት ኣሎ ይብል።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ቲ ጉባኤ ንከይሳተፍ ዝተከልከለ ኣቶ ዳንኤል ተወልደ፣እቲ ጉባኤ ኣብ ሰለስተ ሰነዳት ተመያይጡ ናብ ውሳነ ምብፅሑ ከምዘሐጎሶ ገሊፁ።እንተኾነ ካብ‘ቲ ጉባኤ ዝተኣገደሉ ኣገባብ ጌጋ ምኻኑን ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ዘይምርካቡን ከምዘሻቀሎን ሓቢሩ።
ጉዳይ ዳንኤል ተወልደ ክዝረበሉ ከምዝግባእ'ውን ናብ ምርድዳእ ተበፂሑ