ኣብ ኣዋሳ ኢትዮዽያ ንትሻዓተ መዓልቲ ዝተሰላሰለ ኣኼባ ኤርትራውያን ተቃወምቲ ትማሊ ንኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብምምራፅ ተዛዚሙ‘ሎ።ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በትረ ስልጣን ምስ ኣቀባሊ ቃል እቲ ጉባኤ ኣቶ ተውፊቅ ንሩሕሴን መሓመድ ተዘራሪቡ‘ሎ።ከምኡውን ካብ‘ቲ ጉባኤ ተኣጊዱ ዝቀነየ ዳንኤል ተወልደ ሪኢቶኡ ሂቡና‘ሎ።
ኣቶ ተውፊቅ ንሩሕሴን መሓመድ፣እቲ ጉባኤ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውፃእ ከምዝተዓፀወን፣ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ሲቪካዊ ማሕበረሰባት፣ ደቂኣነስትዮን መንእሰያትን ተጋደልቲ-ነበርን ዝተዋፅኡሉን 127 ኣባላት ዝሓቆፈን ሃገራዊ ባይቶ ከምዝቆመን ኣፍሊጡ።እቲ ባይቶ ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቡ ንኣባላት ኣመራርሓ ከምዝመርፅ‘ውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ካብ‘ቲ ጉባኤ ብገለ መራሕቲ ኮምሽን-ነበር ዝተኣገደ ኣቶ ዳንኤል ተወልደ ምስ ኮሚቴ ኣፃራዪት ሓቂ ሰለስተ ጊዜ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ጠቂሱ።እንተኾነ ገና ዘይዓገበሉ ምኽንያት ኣሎ ይብል ኣቶ ዳንኤል።
ንሃገራዊ ባይቶ'ውን መስሪቱ