ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ መብርሂ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ትሓትት


ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል - ኢትዮጵያ
ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል - ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ንኢትዮጵያዊ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል ናብ ኣስመራ ንከይኣትው ከምዝከልከለ መብርሂ ንክህብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ሓቲታ።

ምስ ካልኦት መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ ኮይኖም ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ዝነበሩ ካርዲናል ብርሃነየሱስ፣ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ በጽሑ፣ ናብ’ታ ከተማ ከይኣትው ስለዝተኸልከሉ ነዊሕ ሰዓታት ተጸብዮም’ዮም። ግን ክሓልፉ ኣይተፈቐደሎምን።

ብዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራ ኣባ ተስፋገርግስ ክፍሎም ዝተጻሓፈ ደብዳቤ፣ እታ ቤተ ክርስትያን፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ክዋሃብ’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘለዋ ይሕብር። (ኣብ ቀጥታዊ ፈነወና፣ 'እታ ቤተ ክርስትያን ትጽቢት ከምዘይብላ ሓቢራ' ዝብል ብጌጋ ዝተነበበ ስለዝኾነ ይቕሬታ ንሓትት)

ንመበል ሓምሳ ዓመት ክብረ-በዓል ‘ወርቃዊ እዩበልዩ’ ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዝተኸልከልሉ ኣገባብ፣ ዘጉሂ’ዩ። ክቐርበሉ ዝኽእል ዘእምን ምኽንያት’ውን ኣሎ'ዩ ኢልካ ንምግማት ኣጸጋሚ’ዩ’ ይብል ኣብ ቫቲካን ተሓቲሙ ዝወጸ ዜና።

ዋና ጸሓፊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ተሾመ ፍቅሬ ብወገኖም ‘ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ በጻሕና ንሓደ ወርሒ ዘገልግል ቪዛ ተፈቒዱልና ነይሩ፣ ካብ’ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ክንወጽእ ምስ ፈተና ግና፣ ሰበ ስልጣን ድሕነት ‘ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናብ’ዛ ሃገር ከይተእትውዎም ኢሎምና’ ኢሎም ኣጊዶምና። ኣብ’ቲ መዕርፎ ነፈርቲ ውዒልናን ሓዲርናን’ ከምዝበሉ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG