ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዮርዳኖስ ሉሉ ወ/ት ናጽነት ብምዃን ዘውዲ ቁንጅና ደፊኣ


ሩት ገረዝጊሀርን ዓሻ ሆርቢን ድማ ካልአይትን ሳልሰይትን ብምውጻእ ተዓወትቲ ውድድር ጽባቐ 2011 ኮይነን ኣለዋ

ብምኽንያት 20 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ቁንጅና 100 ቆነጃጂት ተወዳዲረን። ድሕሪ ተኸታታሊ ናይ መጻርዪ ውድድራት ድማ 18 ናብቲ ናይ መወዳእታ ዙር ሓሊፈን። ድሕሪ`ዚ መዓልቲ ናጽነት 2ተ መዓልታት ክተርፎ ኸሎ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ውድድር፡ ብድምር ውጽኢት ዮርዳኖስ ሉሉ ተዓዋቲት ወ/ት ናጽነት 2011 ክትከውን በቒዓ`ላ።

ሰለስቲአን ተዓወትቲ ማለት ዮርዳኖስ ሉሉ፡ ሩት ገረዝጊሀር፡ ዓሻ ሆርቢ ምስ ጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ተወልደ ወልደገብሬል ኣብ ዝገበርኦ ቃለ-መጠይቕ፡ ነቲ ዝተዓወታሉ ሞያ ብዕቱብ ክደፍኣሉን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ከብጽሕኦን ከምዝደልያ ኣረጋጊጸን።

ዮርዳኖስ ኣብ ዝሃበቶ ናይ መዕጸዊ መልእኽቲ፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ነቲ ዘለወን ፍሉይ ጽባቐን ርእሰ ተኣማንነትን ናብ ደገ ብምውጻእ ንነብሰን ንወለደን ኣኹሪዐን ኣብ ቅድሚ ዓለም`ውን ንሃገረን ሓበን ክኾና መኺራ።

ምስ ሰለስቲአን ተዓውትቲ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡-

XS
SM
MD
LG