ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ`ቲ ክልቲኣዊ ርክብ፡ ኤርትራ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ምትሕብባራ ብሓጎስ ከምዝተቐበልዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ከምኦም ዝበሉ ኣገባባት ጽምዶኣ ክተሐይል`ውን ጸዊዖም።
ሚንስተር ወጻኢ ዖስማን ሳልሕ ብወገኖም፡ ሃገሮም፡ ጽፍሕታት ምትሕብባራታ ፡ ክተስፍሖ ተቐሪባ ከምዘላ ኣረጋጊጾም።
ክልቲኦም ሰበ-ስልጣን፡ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቀብን፡ ጉዳይ ገበናዊ ንግዲ-ደቂ-ሰባትን ኣልዒሎም`ውን ተመያይጦም።