ኣብ`ቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ወኪሎም ዝተረኽቡ ምንስተር ወጻኢ ዕስማን ሳልሕ ኣብ ዘረብኦም፡ ኣብ 2000 ዝኣተናዮ ቃል እንተዘየኽቢርና፡ ነቶም ሃንቀው እናበሉ ዝጽበዩና ዘለዉ ህዝብታት ክንከስሮም ኢና ድሕሪ ምባል፡ ተኣማንነትና`ውን ክጎድል`ዩ ኢሎም’። ብዛዕባ ኤርትራ ዝወሰደቶ ስጉምትታት ብፍላይ ክዛረቡ ኸለዉ ኤርትራ ንሸቶ ሚለንየም ንምዕዋት ኣብ ቕቡል ጉዕዞ ከምትርከም ገሊጾም።
“ጥምየት ነበረያ-ነበረ ንምግባር ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግብን ትሕተ-ቕርጽን ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ኣፍሲስና ኢና” ዝበሉ ምንስተር ዕስማን ፡ ኤርትራ ብመዳይ ጾታዊ ማዕርነት፡ መባእታዊ ትምህርቲ ፡ጥዕና ቖልዑትን ኣዴታትን፡ ብመዳይ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ዓሶን ኻልኦት ሕማማትን ኸምኡ`ውን ቐረብ ጽሩይ ማይ፡ ኣብ መስመር ኣላ ኢሎም። ኣብ መዳይ ጥዕና ኸምኡ ዝበለ ውጽኢት ክነምጽእ ዝኸኣልና፡ መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ሓደሽቲ ትካላት ጥዕና፡ ምምሕያሽ ቐረባት መድሃኒታትን ካልኦት ቐረባትን ንምምላእ ገዚፍ ወጻኢ ስለዝመደበ`ዩ ዝበሉ ኣቶ ዖስማን፡ ኤርትራ ካብ ተታነስን ፖልዮን ናጻ ሃገር ምዃን ብሰርቲፊኬት ተረጋጊጹላ`ዩ ኢሎም።
ኣብ መዳይ ትምህርትን ኣብ ወገን ጾታዊ-ማዕርነት`ውን ኣድማዒ ግስጋሰ ተራእዩ ክብሉ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም።
ንምሉእ ትሕዝቶ መደረ ምንስተር ዖስማን ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል