ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ዓርቢ ሓርነት‘ ዝተባሃለ ምንቅስቃስ ኣብ ኣስመራ ፋምፍሌት በቲና ይብል


ኣስመራ
ኣስመራ

ኣብ ኣስመራ ናይ ተቃወምቲ ፋምፍሌታት ተበቲኖም ከምዝራኣዩ ገለ ነበርቲ‘ታ ከተማ ገሊፆም።

ኣብ‘ታ ግልልቲ ትባሃል ኤርትራ ብሕልፊ ኣብ ኣስመራ እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ንምርግጋፅ ከቢድ‘ዩ።ናፃ ምንጭታት ግና፣እቶም ፋምፍሌታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ቴሌፎናትን ካልኦት ህዝቢ ዝእከበሉ ከባቢታትን ከምዝተራኣዩ ይጠቅሱ።

ኣባል ‘ዓርቢ ሓርነት‘የ‘ ዝብል መርኣዊ ገ/ሄር ኣብ ገለ ከባቢታት ኣስመራ ፋምፍሌታት ከምዝበተኑ ክገልፅ ከሎ ኣብ ካልኦት ከተማታት‘ውን ተመሳሳሊ ፍፃመ ከምዝነበረ ጠቂሱ።ተመስገን ጥራሕ በሉኒ ዝበለ ካልኣይ ኣባል ‘ዓርቢ ሓርነት‘የ’ ዝብል ሰብ‘ውን ኣብ ሓደ እዋን ፋምፍሌታት ከምዘንበበ ጠቂሱ።

ካብ ኒውዮርክ ንዕረፍቲ ናብ ኣስመራ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝኣተወ ኤልያስ ያዕቆብ ግና ፋምፍሌት ኮነ ወረ ፋምፍሌት ከምዘይሰምዐን ከምዘይራኣየን ገሊፁ።

ካብ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ‘ውን ፃዕሪ ተገይሩ‘ዩ ግን ኣይሰለጠን።መንነቶም ንክንገልፆም ዘይተደለየ ሓደ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን ግና ነቲ ዜና ኣነኣኢሶም፣ከምኡ ዝባሃል ነገር ኣብ ኣስመራ ይኹን ኣብ ኤርትራ የለን ኣይነበረን ኢሎም።

ንሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ተኸታተሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:17 0:00

XS
SM
MD
LG